1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤልመስዋእተይእቲ ብልዔይ ነቲ ጥዑም ጨና ዚዀነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይበቲ ምዱብ ጊዜኡ ኸተቕርቡለይ ሐልዉኢልካ ኣዝዞም

3. በሎም ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት

4. ነቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮነቲ ኻልኣይ ገንሸልውን ምሸት ሰውኣዮ።

5. ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ብርብዒ ሂን ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዔ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ

6. እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

7. ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኰዖ

8. ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ።

9. ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጐደሎ ዜብሎምንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ መስተ መስዋእቱ

10. እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱንናይ ሰንበተ ሰንበት ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።

11. ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕሓደ ድዑልሾብዓተ ገንሸል ዓመትጐደሎ ዜብሎምንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኸተቕርቡ ኢኹም፡

12. መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ።

13. ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር

14. ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒንድዑል ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕበብወርሒ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።

15. ንመስዋኣቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።

16. በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።

17. ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ

18. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ

19. ግናኸ መስዋእቲ ሓዊዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራብዕሓደ ድዑልሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡጐደሎ ዜብሎም ይኹኑልኩም

20. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍንድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ

21. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ

22. ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋኣቲ ሓጢኣት

23. ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዚሐርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ

24. ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ

25. በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ

26. በታ ቐዳማይ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲበቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ

27. ግናኸ ዚሐርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑልሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ

28. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡

29. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ

30. ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ሰውኡ።

31. ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡጐደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑልኩም