1. ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹኣጓዕዛኦም እዚ እዩ፡

2. ሙሴ ድማ ነቲ ምውጻኦም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ምጕዓዞም ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ጸሐፎእቲ ኣጓዕዛኦም ከምቲ ምንቃሎም እዚ እዩ፡

3-4. በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሌስ ነቐሉግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኲላቶም በዅርታት ኪቐብሩ ኸለዉ፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤልኲሎም ግብጻውያን እናረአይዎም ብልዕቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ

5. ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ፡ ኣብ ሱኮት ከኣ ሰፈሩ

6. ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ

7. ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጼፎን ናብ ዘላ ጲ-ሃሒሮት ተመሊሶም፡ ኣብ መጣምቲ ሚግዶል ሰፈሩ

8. ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቒሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ሰገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከኣ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ

9. ካብ ማራ ነቒሎም ድማ፡ ናብ ኤሊም መጹኣብ ኤሊም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ

10. ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ

11. ካብ ባሕሪ ኤርትራ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ

12. ካብ በረካ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ

13. ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ

14. ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ፡ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ኣይነበረን

15. ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረካ ሲና ሰፈሩ

16. ካብ በረካ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ

17. ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጼሮት ሰፈሩ

18. ካብ ሓጼሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ

19. ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ

20. ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ

21. ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ

22. ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ

23. ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ

24. ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ

25. ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ

26. ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ታሕት ሰፈሩ

27. ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ

28. ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ

29. ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ

30. ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ

31. ካብ ሞሴሮት ነቒሎምውን፡ ኣብ ብነ-ያዓቃን ሰፈሩ

32. ካብ ብነ-ያዓቃን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ

33. ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ

34. ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ

35. ካብ ዓብሮና ነቒሎምውን፡ ኣብ ኤጽዮን-ጋበር ሰፈሩ

36. ካብ ኤጽዮን-ጋበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረካ ጺን ሰፈሩ፡ ንሱ ቃዴስ እዩ።

37. ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ኣብ ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ

38. ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ

39. ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።

40. እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ኣራድ፡ ኣብ ደቡብ ሃገር ከነኣን ዚነብር ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ከም ዝመጹ ሰምዔ

41. ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ

42. ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ

43. ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣቦት ሰፈሩ

44. ካብ ኣቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪምዶብ ሞኣብሰፈሩ

45. ካብ ዕዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ

46. ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ሰፈሩ

47. ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ኣኽራን ዓባሪም ኣብ መንጽር ኔቦ ሰፈሩ

48. ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮሰፈሩ

49. ኣብ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳዕ ኣቤል-ሺጢም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ

50. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

51. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦምበሎም ከኣ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡

52. ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፡ ኲሉ ምስልታቶም ሰባብሩኲሉ ዝፈሰሰ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኲሉ በረኽቲ ቦታኦም ኣፍርሱ

53. እታ ሃገር ክትርስተይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ነታ ሃገር ተረስተይዋ፡ ኣብኣውን ንበሩ

54. ነታ ምድሪ ኸከም ዓሌትኩም ብዕጭ ተማቐልዋነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሀብዎም፡ ነቶም ሒደት ድማ ጸቢብ ርስቲ ሀብዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጩ ዝበጽሓቶ ኣብኣ ይረስተ፡ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ተረስተዩ

55. ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጐጕኩምዎም ግና፡ እቶም ካባታቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፡ ኣብ መሰንገሌኹም ከኣ ዳንዴር ኪዀኑኹም እዮም፡ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ኬጨንቑኹም እዮም።

56. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ንኣታቶም ክገብሮም ዝሐሰብኩ፡ ንኣኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ