1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል፡ ካብቲ ዝወረስዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪሀብዎምኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ከባቢኤን ከኣ ንሌዋውያን ሀብዎም

3. ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም፡ እታ ኣብ ከባቢኤን ዘላ ምድሪ ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ትኹን።

4. እታ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከከባቢ ኸተማታት ዘላ ምድሪ ድማ፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣምግፋሓ ሽሕ እመት ትኹን።

5. ብወጻኢ ኸተማ ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ደቡብ ድማ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ምዕራብ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ክልተ ሽሕ እመት ስፈሩ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከል ትኹን። እዚ ኸኣ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም።

6. እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ቀታል ነፍሲ ምእንቲ ኺሀድመለን እትህብዎ ሹድሽተ ኸተማታት መዕቈቢ ይኹና። ኣብ ልዕሊኤን ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሀብዎም።

7. እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ኲለን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማታት፡ መምስ ከባቢኤን ይኹና

8. ብዛዕባ እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፡ ካብቶም ሒደት ዘለዎም ከኣ ሒደት ውሰዱነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እታ እተረስተያ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሀብ።

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ

10. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦምበሎም ከኣ፡ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ተሳገርኩም

11. ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለት ቐታሊ ዚሀድመለን ከተማታት መዕቈቢ ዚዀናኹም፡ ንኣኻትኩም ከተማታት ፍለዩ

12. እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ደው ከይበለ ኸይመውትእዘን ከተማታት እዚኤን ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም።

13. እተን እትህብወን ከተማታትሽድሽተ ኸተማ መዕቈቢ ይኹናኹም።

14. ሰለስተ ኸተማ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ሀቡ፡ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሀቡ፡ ከተማታት መዕቈቢ ይኹና።

15. ንደቂ እስራኤል ኰነ፡ ንጓና ኸነ፡ ምሳታቶም ንዚነብር ስደተኛ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ኪሀድም፡ እዘን ሽድሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቈቢ ይኹና።

16. ብኣቕሓ ሓጺን እንተ ወቕዖ ግና፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት

17. ወይስ ኣብ ኢድ ብዝሐዞ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ድማ ርግጽ ይሙት

18. ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሐዞ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኪቐትል ብዚኽእል እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት

19. እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ይቕተሎምስ ዚረኽቦ ባዕሉ ይቕተሎ።

20. ብጽልኢ እንተ ደፍኦ ኸኣ፡ ወይ ተጸናትዩ ገለ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ

21. ወይ ጽልኢ ነይርዎ ብኢድ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተእቲ ዝወቕዖ ቐታል ነፍሲ እዩ እሞ፡ ርግጽ ይሙት። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ምስ ዚረኽቦ ይቕተሎ

22-23. ብጽልኢ ዘይኰነ፡ ብድንገት እንተ ደፍኦ ግና፡ ንሱ ጸላኢኡ እንተ ዘይነበረ፡ ወይ ከኣ ንኽፉኡ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ከይተጸናተወ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ፡ ወይ ከይረኣዮ ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ

24. ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ሕጊ እዚ ይፍረድ

25. እቲ ኣኼባ ኸኣ ነት ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ናብታ ሀዲሙላ ዝነበረ ኸተማ መዕቈቢቱ ይምለሶ። እቲ ብቕዱስ ቅብኢ እተቐብኤ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ይጽናሕ

26. እቲ ቐታሊ ኻብ ዶብ እታ ዝሀደመላ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ወጸ ግና፡

27. እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ረኸቦ፡ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ነቲ ቐታሊ እንተ ቐተሎዕዳ ደም የብሉን

28. እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ለቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቈቢቱ ኺጸንሕ ይግብኦ ነይሩ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ምድሪ ርስቱ ይመለስ

29. እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።

30. ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ቐታሊ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን

31. ካብቲ ሞት ዚግብኦ ቐታሊ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉርግጽ ሞት ደኣ ይሙት

32. ስለ እቲ ናብ ከተማ መዕቈቢቱ ዝሀደመሊቀ ኻህናት ከይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኺምለስ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ

33. ደም፡ ንሱ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፡ ነታ ዘሎኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ እተኻዕዋ ደም ብጀካ ደም እቲ ደም ዝኸዐወ ኣይትዕረቕን እያ።

34. ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል እሐድር እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ኣብ ማእከላ ዝሐደራ፡ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር ኣይተርክስዋ