1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንኣሮን ተዛረቦ በሎ ኸኣ፡ ቀነዲል ምስ እትሰቅል፡ እቲ ሾብዓተ ቐንዴል ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ግበሮ።

3. ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዚበርህ ገበሮ።

4. ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፡ ካብ ወርቂ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ፡ ንሱ ኣእጋሩ ዀነ ዕምባባኡ ዀነ ብምቕጥቃጥ እተሰርሔ ነበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርአዮ ምስሊ ገበሮ

5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

6. ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ውሰዶምኣንጽሃዮም ከኣ።

7. ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፡ ማይ ንጽህና ንጸገሎም፡ ኣብ ብዘሎ ስጋኦም ድማ መላጸ የሕልፉ፡ ክዳውንቶም ይሕጸቡ ይንጽሁ ኸኣ

8. ድሕርዚ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ይውሰዱንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ

9. ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦምንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልውን ኣክቦ

10. ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦምደቂ እስራኤል ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ

11. ኣሮን ድማ ንሌዋውያንነገልግሎት ዕዮ እግዚኣብሄር ኪዀኑ፡ ዚውዝወዝ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም

12. ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት የንብሩንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዐርቖም ከኣ፡ እቲ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እቲ ኻልኣይ ከኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር ሰውኣዮም

13. ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣቚሞም እሞ ንእግዚኣብሄር ዚውዝወዝ መስዋእቲ ጌርካ ወዝውዞም

14. ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ኪኼኑስ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ፍለዮም

15. ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተዉ እሞ ኣንጽሃዮምንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኸኣ ወዝውዞም።

16. ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ብመላኦም ንኣይ ተውሂቦም እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ፡ በዅሪ ዅሎም ድቂ እስራኤል፡ ንኣይ ወሲደዮም እየ።

17. ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ናተይ እዩ እሞ፡ በታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዅሉ በዅሪ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስኩዎም

18. ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንሌዋውያን ወሰድኩ

19. ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ ደቂ እስራኤል መዓት ምእንቲ ኸይወርድኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎት ደቂ እስራኤል ኬገልግሉ እሞ ንደቂ እስራኤል ኬተዐርቕዎምካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ህያብ ሂበዮም አሎኹ።

20. ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ኸምኡ ገበሩሎም

21. ሌዋውያን ከኣ ነጽሁክዳውንቶምውን ሐጸቡኣሮን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞም፡ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዐረቐም

22. ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ አተዉከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝአዘዘ፡ ከምኡ ገበሩሎም

23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

24. ንሌዋውያን ዚግባእ እዚ እዩካብ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊናብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ይእተዉ

25. ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ከኣ ካብ ዕዮ ኣገልግሎት ይመለስ፡ ድሕሪ ደጊም ኣየገልግል።

26. ኣብቲ ሓለዋ ኣሕዋቱ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ይሐግዝኣብ ኣገልግሎት ግና ኣይዕየንሌዋውያን በቲ ሓለዋኦም ከምኡ ግበረሎም