1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ኣዝዞምበሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹምእታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ

3. ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን።

4. ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ።

5. ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙርናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ

6. ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን።

7. ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ።

8. ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ

9. እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን።

10. ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉ

11. እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ

12. እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።

13. ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገርእግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሀብ ዝአዘዘ፡ እዚኣ እያ።

14. እሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሐዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸኣ ርስቶም ሐዙ።

15. እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሐዙ

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

17. ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዚመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን

18. ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።

19. ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁዳካሌብ ወዲ የፋኔ

20. ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ

21. ካብ ነገድ ብንያምኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን

22. ካብ ነገድ ደቂ ዳንሹም ቡቂ ወዲ ዮግሊ

23. ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ

24. ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬምሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን

25. ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎንሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ

26. ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮርሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን

27. ካብ ነገድ ደቂ ኣሴርሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ

28. ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌምሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ

29. እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ኺመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞም እዚኣቶም እዮም።