1. ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመላ መዓልቲ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡

2. እቶም ሹማምቲ እስራኤልዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቊጹራት ዝነበሩ፡ ይሃብ ኣቕረቡ፡

3. ህያቦም ሹድሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ።

4. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

5. ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዪ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሀቦም

6. ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሀቦም

7. ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሀቦም

8. ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮንኣርባዕተ ሰረገላን ሾሞንተ ብዕራይን ሀቦም

9. ንደቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞገለ ኣይሀቦምን

10. እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡእቶም ሹማምቲ ቚርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ

11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቚርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡበሎ

12. እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቚርባኑ ዘቕረበነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብካብ ነገድ ይሁዳ እዩ።

13. ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

14. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ

15. ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን

16. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ

17. ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።

18. ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓርሹም ይሳኮርኣቕረበ

19. ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

20. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

21. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል መዓልትን፡

22. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ

23. ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ

24. ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎንሹም ደቂ ዛብሎን

25. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

26. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

27. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

28. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

29. ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ።

30. ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሸደውርሹም ደቂ ሮቤል

31. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሕሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

32. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

33. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

34. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

35. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዚ እዩ።

36. ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻይዳሹም ደቂ ስምኦን

37. ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

38. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

39. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

40. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

41. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ።

42. ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤልሹም ደቂ ጋድ

43. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

44. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

45. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

46. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

47. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ኽልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ።

48. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድሹም ደቂ ኤፍሬም

49. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኒ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

50. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

51. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

52. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

53. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ።

54. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹርሹም ደቂ ምናሴ

55. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጸሕሊ ብሩር ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

56. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

57. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

58. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

59. ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዚ እዩ።

60. ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒሹም ደቂ ብንያም

61. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

62. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

63. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

64. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

65. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ።

66. ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይሹም ደቂ ዳን

67. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

68. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

69. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

70. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

71. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቊርባን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ።

72. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራንሹም ደቂ ኣሴር

73. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

74. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኤ፡

75. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕሓደ ድዑልሓደ ገንሸል ዓመት

76. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

77. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ።

78. ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናንሹም ደቂ ንፍታሌም

79. ቊርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩርሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩርክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ዝመልኤ

80. ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂዕጣን ዝመልኤ፡

81. ንዚሐርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት

82. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ

83. ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑልሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትቊርባን ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ።

84. በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ

85. ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ዅሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኰነ።

86. እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኣ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ዅሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኰነ።

87. ኲሎም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑልዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመትንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ

88. ኲሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል፡ ስሳ ድቤላስሳ ገንሸል ዓመት ኰነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብኤ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ።

89. ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ።