1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኲሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ውሰድስም ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ በበትሩ ጽሐፍ

3. ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሐፍ

4. ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከኣ ኣንብረን

5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሐሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያእቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙልኩም ምጕርምራም ከኣ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ

6. ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ኲሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደዓሰርተው ክልተ በትሪ ሀብዎበትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት።

7. ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን

8. ኰነ ድማ፡ ሙሴ ንጽብሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊጠጢዓ ጸንሔትቈጽሊ ኸኣ ኣውጽኤት፡ ዕምባባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት

9. ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤንርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ

10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኰኖም፡ ንበትሪ ኣሮንኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳበሎ

11. ሙሴ ኸኣ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸምኡ ገበረ

12-13. ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኲልና ጠፋእናነፍሲ ወከፍ ዝቐረበናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት አሎኲልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፧ ኢሎም ተዛረብዎ