1. በታ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና እተዛረበላ መዓልቲወለዶ ኣሮንን ሙሴን እዚ እዩ።

2. ስም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፡ ናብዳ እቲ በዅርን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን

3. ስም እቶም እተቐብኡ ኻህናትንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ።

4. ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ኣብ በረኻ ሲና ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጋሻ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱውሉድ ከኣ ኣይነበርዎምንኣልኣዛርን ኢታማርን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኦም ኣሮን ብኻህነት የገልግሉ ነበሩ።

5. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

6. ንነገድ ሌዊ ናብዚ ኣቕርቦ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎ ኣብ ቅድሚ ኣሮን ካህን፡ ደው ኣብሎም

7. በቲ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መዙን መዚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ይሐልዉ

8. ኲሉ ኣቕሓ ድንኳን ምርኻብን መዚ ደቂ እስራኤልን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ይሐልዉ

9. ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም፡ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም።

10. ንኣሮንን ንደቁን ድማ እቲ ናይ ክህነቶም ኪሕልዉ ኣመዝዞምጓና እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት

11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

12. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሲደዮም እየ እሞ፡ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።

13. በዅሪ ዝዀነ ዅሉ ንኣይ እዩ እሞ፡ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡ ኲሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፡ ንኣይ ቀዲሰዮ እየ፡ ንኣይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

15. ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጸሮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቊጸሮም

16. ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቘጸሮም

17. ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን

18. ስም ደቂ ጌርሾን ድማ በብዓሌቶም እዚ እዩ፡ ሊብኒን ሺምዒን

19. ደቂ ቃሃት ድማ በብዓሌቶም፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን እዮም።

20. ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶምማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም።

21. ካብ ጌርሾን ዓሌት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም።

22. ቊጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዂሎም ቊጹራት ተባዕትዮ፡ እቶም ቊጹራቶም ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዮም።

23. ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ይስፈሩ

24. ሹም ማይ ቤት ኣቦ ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ።

25. ሓለዋ ደቂ ጌርሾን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ነቲ ማሕደርን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን

26. መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማድን ናይ ኲሉ ኣገልግሎት እዩ።

27. ካብ ቃሃት ድማ ዓሌት ኣምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ሔብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ቃሃታውያን እዮም።

28. እቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩሾሞንተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ።

29. ዓሌታት ደቂ ቃሃት ንማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ ይስፈሩ

30. ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት ቃሃታውያን ድማ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ።

31. ሓለዋኦም ድማ ታቦታትን ሰደቓን ቀዋሚ ቐንዴልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዜገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑን እቲ መጋረጃን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን እዩ።

32. ሹም ሹማምቲ ሌዋውያን ከኣ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም ሓለዋ መቕደስ ዚሕልዉ፡ ገበዞም ይኹን።

33. ካብ መራሪዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።

34. ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩ፡ እቶም ቊጽራቶም ሹድሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ።

35. ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት መራሪጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ንማሕደር ብሸነኽ ሰሜኑ ይስፈሩ

36. እተመዘዝዋ ሓለዋ ደቂ መራሪ ድማ ንኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ኲሉ ኣቓሑኡን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን

37. ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻውልቱን ኣግማዱን እዩ።

38. እቶም ኣብ መንጽር ማሕደር ብምብራቑ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብብሸነኽ ምውጻእ ጸሓይ ዚሰፍሩሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓለዋ ደቂ እስራኤል ኣብ መቕደስ ዚሕሎ ይሕልዉ ነበሩ። ጓና ናብኡ እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት

39. እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያንሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘጸርዎም፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኰኑ።

40. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ኲሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቚጸርቊጽሪ ስሞም ድማ ውሰድ

41. ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ በዅሪ ማል ደቂ እስራኤል ንኣይ ውሰዶም

42. ሙሴ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ቈጸረ

43. ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ተባዕታይ በብስሞም እተቘጽሩቊጹራቶም ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኰኑ።

44. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

45. ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤልማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ማሎም ውሰድሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚብሄር እየ።

46. በጃ እቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ቊጽሪ ሌዋውያን ዝሐለፉ ኸኣ፡

47. ነንርእሲ ሓሙሽተ ሲቃል ውሰድብሲቃል መቕደስ ውሰድ፡ ሲቃል ዕስራ ጌራ እዩ።

48. ናይቶም ሕልፊ ዝዀኑ ኸኣ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም

49. ሙሴ ድማ ካብቶም ብሌዋውያን እተበጀዎም ሕልፊ ዝዀኑ፡ ገንዘብ በጃ ወሰደ

50. ካብ በዅርታት ደቂ እስራኤል ብሲቃል መቕደስ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ሲቃል ገንዘብ ወሰደ

51. ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሀቦም