1. ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም።

2. ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት

3. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡

4. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ

5. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ንምትዕራቕኩም ሓደ ድቤላ

6. እዚ ብጀካ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

7. ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይዅነልኩም፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ

8. ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑልሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡጐደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑልኩም።

9. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡

10. ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገንሸል ዓስራይ ኣፍ

11. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።

12. ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ

13. ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ መስዋእቲ ሓዊኣቕርቡዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕክልተ ድዑልዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ገደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹኑ።

14. ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡

15. ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ

16. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ።

17. ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡

18. ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

19. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።

20. በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት

21. ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

22. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

23. በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት

24. ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

25. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

26. በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት

27. ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

28. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

29. በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት

30. ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

31. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

32. በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕክልተ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት

33. ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ድዓውልን ገንሸልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

34. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ በጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

35. በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ኽቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኵሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ

36. ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋኣቲመስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑልጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት

37. እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገነሽልንከምቲ ቚጽሮምከምቲ እተሰርዔ

38. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን

39. እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኰነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓላት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም