1. ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዓሌት ደቂ ጊልኣድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ቀረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራእልን ከኣ ተዛረቡ

2. በሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ብዕጭ ኪህቦም ንጐይታይ ኣዘዞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ እታ ርስቲ ጸሎፍሓድ ሓውናነዋልዱ ኺህበን ኣዘዞ።

3. ንሳተን ከኣ ናብ ገለ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት ደቂ እስራኤል እንተ ተአትዋ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ድማ ይውሰኽ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ብዕጭ እተረስቴናዮ ይንከ

4. ንደቂ እስራኤል ዓመት እልልታ ምስ ኰነሎም፡ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ይውሰኽ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይንከ

5. ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞምነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተአተዋ። ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራይ ግዳ ይተአተዋ።

7. ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ

8. ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዘበለት ጓል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኺወርስ፡ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተአቶ

9. ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ

10. ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበራ

11. ማሕላቲርጸሖግላሚልካኖዓኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተአትዋ

12. ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተአትዋርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኤን ተረፈ።

13. እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ዝአዘዞም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።

Chap 35