1. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም። እንሆ ኸኣ፡ ምድሪ ያዕዜርን ምድሪ ጊልኣድን ቦታ ማል ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ

2. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መጺኦምንሙሴን ንኻህን ኣልኣዛርን ንሹማምቲ ኣኼባን

3. ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራህን ሔስቦንን ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን ቤዖንን

4. እዛ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤልእግዚኣብሄር ዝወቕዓ ምድሪ፡ ምድሪ ማል እያ፡ ገላዉኻ ድማ ማል ኣለዋና፡ ኢሎም ተዛረብዎም።

5. ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኸብናስእዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ትወሀብንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና፡ ከኣ በሉ

6. ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን በሎምኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለዉዶ፡ ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም፧

7. ስለምንታይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኸይአትዉልቢ ደቂ እስራኤል እተድክሙ፧

8. ኣቦታትኩም ድማ፡ ምድሪ ኺርእዩ ኢለ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ ገበሩ

9. ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም ነታ ምድሪ ምስ ረአይዋ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ምድሪ ኻብ ምእታው ንልቢ ደቂ እስራኤል ኣሸበርዎ።

10. በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ኲራ እግዚኣብሄር ነደደ እሞ ኸምዚ ኢሉ መሐለ

11-12. ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ነዌንንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ነታ ንኣብርሃምንይስሃቅንያእቆብ ከኣ ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።

13. ኲራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም

14. ኣቱም ትውልዲ ሓጥኣን ሰባት፡ ነቲ ነዳዲ ዅራ እግዚብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተበርትዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሳእኩም

15. ካብ ምስዓቡ እንተ ተመለስኩምንሱ ኸኣ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ይሐድጎም እሞ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዅሉ ተጥፍእዎ አሎኹም።

16. ንሳቶም ከኣ ናብኡ ቐሪቦም በሉ፡ ኣብዚ ንማልና ደምቤታትንቘልዑና ድማ ከተማታት ክንሰርሕ

17. ንሕና ግናናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎምቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ተዳሊና ኣጽዋር ሒዝና አሎናደቅና ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ ጽኑዓት ከተማታት ይቀመጡ

18. ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዚረክብናብ ኣባይትና ኣይንምለስን

19. ርስትናስ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ በጺሑና እዩ እሞ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታቶም ርስቲ ኣይንወርስን

20. ሙሴ ድማ በሎምእዚ ነገርዚ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም

21-22. ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእኲሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤልን ከኣ ብዘይ በደል ትዀኑእዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።

23. ከምኡ እንተ ዘይገበርኩም ግና፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገበርኩምሓጢኣትኩም ከም ዚረኽበኩም ድማ ፍለጡ

24. ንደቅኹም ከተማታትነባጊዕኩም ከኣ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ

25. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንሙሴገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝአዘዞ ኺገብሩ እዮም።

26. ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኲሉ ማልናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልኣድ ይኹኑ።

27. ገላውኻ ግና ኲላቶም ንውግእ ኣጽዋር ዝሐዙከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ ይሳገሩ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።

28. ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌንንሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ

29. ሙሴ ኸኣ፡ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣጽዋር ዝሐዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዋግኡ፡ ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩእታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝኤት፡ ሽዑ ምድሪ ጊልኣድ ርስቲ ሀብዎም

30. ኣጽዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ማእከልኩም ይረስተዩ፡ በሎም።

31. ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ፡ ከምቲ እግዚብሄር ንገላዉኻ ዝበሎምከምኡ ንገብር

32. ንሕና ኣጽዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነኣን ንሳገር፡ እቲ እንርስተዮ ርስቲ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ይኹነልና፡ ኢሎም መለሱ።

33. ሙሴ ኸኣ ንኣታቶም ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍንመንግስቲ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳንእታ ሃገርከተማታታ ምስ ከባቢኤን፡ ናይታ ኣብ ዙርያ ዘላ ሃገር ከተማታት ድማ ሀቦም

34. ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን ዓጣሮትን ዓሮዔርን

35. ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን ዮግብሃን

36. ቤት-ኒምራን ቤት-ሃራንንእተዐርዳ ከተማታትደምቤታት ኣባጊዕ ከኣ ሰርሑ።

37. ደቂ ሮቤል ድማ ሔስቦንን ኤልዓለን ቂርያታዪምን

38. ኔቦን በዓል-ሜዖንን ሰርሑ፡ - ስመን ከኣ ተለወጠ፡ - ሲብማውን ሰርሑ። ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከኣ ካልእ ስም ኣውጽኡለን

39. ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ናብ ጊልኣድ ከይዶም ሐዝዋ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ሰጐጕዎም

40. ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልኣድ ሀቦ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጠ

41. ያኢር ወዲ ምናሴ ድማ ከይዱ ዓድታቶም ሐዘዓድታት ያኢር ኢሉ ኸኣ ሰመየን

42. ኖባ ድማ ከይዱ ንቔናትን ኣቚሻታን ሓዛብስሙ ኸኣ ኖባ ኣውጽኣላ