1. ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን ኣተዉ፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑሚርያም ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡውን ተቐብረት።

2. እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነበሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ

3. እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና፡

4. ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎ

5. ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኰነትንዚስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቚዎ።

6. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱብገጾም ድማ ተደፍኡክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም

7. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

8. ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከኣ ነቲ ኣኼባ ኣክብዎኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻውን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎምነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ

9. ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝአዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ

10. ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧ በሎም

11. ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንንኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይአመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚአ ናብታ ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም

13. እዚ ማይ መሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቑሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ።

14. ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡

15. ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸመይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ተቐመጥናግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሐሰሙና

16. ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዔመልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ አሎና።

17. በጃኻ፡ ብምድርካ ኣሕልፈናብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሐልፍንማይ ዔላ ኸኣ ኣይንሰትንዶብካ ኽሳዕ እንሐልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስንብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።

18. ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቃባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ፡ በሎ

19. ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ብጐደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ እንግረይ ነገር ዜልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ

20. ንሱ ድማ፡ ኣይትሓልፍንበለኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ኪቃባበሎ ወጸ

21. በዚ ኸምዚ ኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦእስራኤል ካብኡ ኣግለሰ

22. ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ከረን ሆር መጸ

23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

24. ኣብ ማይ መሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝአቤኹምዎኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተአከብ

25. ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ውሰድ፡ ናብ ከረን ሆር ድማ ኣደይቦም

26. ንኣሮን ከኣ ኣልባሱ ግፈፎ ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ክደኖኣሮን ከኣ ናብ ህዝቡ ይተኣከብ፡ ኣብኡውን ይሙት።

27. ሙሴ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረአዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ

28. ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣልባሱ ገፊፉ ንኣልኣዛር ወዱ ኸደኖኣሮን ከኣ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ

29. ኲሉ እቲ ኣኼባኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ