1. በላዓም ድማ ንእስራኤል ኪምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝዀነ ምስ ረአየገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ኪቃባበል ኣይከደን

2. በላዓም ከኣ ዓይኑ ኣልዐለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረኣዮምመንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ።

3. ምስላኡ ኣልዒሉ ኸኣ በለበላዓም ወዲ ቤዖርከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል።

4. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዘርኢ፡ እቲ ዚወድቕኣዒንቱ ከኣ ዚኽፈታሉከምዚ ይብል

5. ኣታ ያእቆብድንኳናትካኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ

6. ከም ለሴታትኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲእግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታትኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ጽሕድታት ይዝርግሑ

7. ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብልመንግስቱ ኸኣ ክትልዐል እያ

8. ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ አለዎ፡ ነቶም ዚጻረርዎ ህዝብታት ኪበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከኣ ኪሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ኪወግኦም እዩ።

9. ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ አሎ፡ መን የተንስኦ ዚምርቐካ ምሩቕዚረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን።

10. ሽዑ ዅራ ባላቅ ኣብ በላዓም ነደደኣእዳዉ ድማ ኣጣቕዔ፡ ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕጂ ሰለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም

11. ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረእግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ፡ በሎ።

12-13. በላዓም ከኣ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን

14. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እከይድ አሎኹ። ንዓእዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ ዚገብሮ ኽነግረካ

15. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለበላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉእ ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡

16. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዚኽፈታሉከምዚ ይብል

17. እርእዮ አሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ አሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም

18. ኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር እዩ።

19. ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኺወድኦ እዩ

20. ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ።

21. ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለእትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ አሎ።

22. እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካቃይን ኪዖኑ እዩ።

23. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለወይለይእግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይነብር

24. ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓንዔብርውን ኬጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።

25. በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰባላቅውን መገዱ ኸደ