1. በላዓም ድማ ንእስራኤል ኪምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝዀነ ምስ ረአየ፡ ገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ኪቃባበል ኣይከደን።
2. በላዓም ከኣ ዓይኑ ኣልዐለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረኣዮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ።
3. ምስላኡ ኣልዒሉ ኸኣ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል።
4. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዘርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ከኣ ዚኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡
5. ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ።
6. ከም ለሴታት፡ ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት፡ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ጽሕድታት ይዝርግሑ።
7. ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብል፡ መንግስቱ ኸኣ ክትልዐል እያ።
8. ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ አለዎ፡ ነቶም ዚጻረርዎ ህዝብታት ኪበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከኣ ኪሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ኪወግኦም እዩ።
9. ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ አሎ፡ መን የተንስኦ ዚምርቐካ ምሩቕ፡ ዚረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን።
10. ሽዑ ዅራ ባላቅ ኣብ በላዓም ነደደ፡ ኣእዳዉ ድማ ኣጣቕዔ፡ ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕጂ ሰለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም።
11. ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፡ እግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ፡ በሎ።
12-13. በላዓም ከኣ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዚህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፧
14. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እከይድ አሎኹ። ንዓ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ ዚገብሮ ኽነግረካ።
15. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉእ ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡
16. እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዚኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡
17. እርእዮ አሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ አሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም።
18. ኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር እዩ።
19. ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኺወድኦ እዩ።
20. ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ።
21. ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ እትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ አሎ።
22. እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ።
23. ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ወይለይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይነብር፧
24. ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኬጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።
25. በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...