1. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም

2. ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩኢሉ ተዛረቦም

3. ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረቃሉ ኣየፍርስከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበር

4. ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት

5. ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑምእቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም።

6. ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ።

7. ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት

8. እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም።

9. እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮእግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ።

10. ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግናነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ

11. ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት

12. ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም።

13. ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ

14. ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ

15. ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞበታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ።

16. ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።

17. እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትንኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን ብጊዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጋጋት እዚ እዩ።