1. ብዘለዉ እቶም ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኺበኪ ሐደረ።

2. ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ በሎምኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሀበና።

3. ንሕና ብሴፍ ክንወድቕኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወናናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን

4. ንሓድሕዶም ከኣሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስተባሃሀሉ

5. ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሕበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተደፍኡ

6. እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነንካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ

7. ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።

8. እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ።

9. ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።

10. ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ

11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዚንዕቀኒ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ

12. ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዚዐብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።

13. ሙሴ ኸኣ ንእግዚብሄር በሎእቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእከሎም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም።

14. ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚነብሩ ድማ ኪነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኤኻደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበናለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም አለዉ

15. ሕጂ ኸኣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት

16. እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሐለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለኣብ በረኻ ሐረዶም፡ ኢሎም ኪዛረቡ እዮም።

17. ሕጂ ኸኣ እልምነካ አሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ

18. እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ኽሳዕ ራብዓይን ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን።

19. ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸኣ እልምነካ አሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓብዪ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ

20. እግዚኣብሄር ድማ በለከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ

21. ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየብዘላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልኣ እያ

22. ኲሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረአዩ ሰባትድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒቃለይ ከኣ ኣይሰምዑን፡

23. ነታ ነቦታቶም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ከኣ ኣይርእይዋን፡ ካብቶም ዝነዐቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን

24. ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰዐበኒ፡ ናብታ ኣትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ።

25. ኣብ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ አለዉ እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዐዙ።

26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

27. ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧ እቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙለይ ምጕርምራም ሰሚዔ አሎኹ።

28. በሎም ከኣ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩምዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡

29. ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኲላትኩም እተቘጸርኩም፡ ከምቲ ዅሉ ቚጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።

30. ናብታ ኣብኣ ከናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን

31. ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከእትዎም እየ፡ ነታ ዝነዐቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።

32. ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።

33. ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ምንዝርናኹም ኪጾሩ እዮም።

34. ከም ቊጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልታትኣርብዓ መዓልቲሓንቲ ዓመት ኣብ ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሐቕኩ ኸኣ፡ ክትፈልጡ ኢኹም።

35. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ዅሉ ኣባይ ብሓደ እተሐባበረለይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ኪሞቱ እዮም።

36. እቶም ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረሙሉ፡

37. እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ

38. ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።

39. ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዙሕ ሐዘነ

40. ንብጊሓቱ ድማ ኣንጊሆም ተንስኡበዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ አሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ

41. ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱኣይቐንዓኩምን እዩ።

42. እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዐሩ፡ ኣይትደይቡ

43. ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ኣብ ቅድሜኹም አለዉ እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩምእግዚኣብሄር ከኣ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ።

44. ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ደፈሩታቦት ኪዳን እግዚብሄርን ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን

45. እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ቀጥቀጥዎም።