1. ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
2. እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ።
3. እቲ ሰብኣይ፡ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።
4. ብኡብኡ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ወጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ።
5. እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከኣ ወጹ።
6. በሎም ድማ፡ ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ።
7. ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ።
8. ብግልጺ እምበር፡ ብኽዉል ዘረባ ኣይኰነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም፡
9. ኲራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ።
10. እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት።
11. ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮን ዝበደልናዮን፡ በጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና።
12. በጃኻ፡ ብምዉቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ፡ በሎ።
13. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ አሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሔ።
14. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲዶ ኣይምሐፈረትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾ፡ ደሓር ከኣ ትእቶ፡ በሎ።
15. ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወት። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን።
16. ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...