1. ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ

2. እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዚዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ

3. እቲ ሰብኣይሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ።

4. ብኡብኡ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምንሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ወጹበሎምሰለስቲኦም ድማ ወጹ

5. እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖምክልቲኦም ከኣ ወጹ

6. በሎም ድማዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉብሕልሚ እዛረቦ

7. ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ።

8. ብግልጺ እምበር፡ ብኽዉል ዘረባ ኣይኰነንኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም

9. ኲራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ።

10. እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነትከም በረድ ጻዕደወትኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት።

11. ሽዑ ኣሮን ንሙሴኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮን ዝበደልናዮን፡ በጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና።

12. በጃኻ፡ ብምዉቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኺወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኤ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ፡ በሎ።

13. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ አሎኹ ኣሕውያኢሉ ጨርሔ

14. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲዶ ኣይምሐፈረትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ትተዐጾደሓር ከኣ ትእቶ፡ በሎ

15. ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዐጽወትእቲ ህዝቢ ኸኣሚርያም ክሳዕ እትምለስኣይነቐለን

16. ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ