1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ናዝራዊ ኪኸውን ንእግዚኣብሄር ኪፍለ እንተ ተመባጽዔ

3. ካብ ወይንን ካብ ዜስክር መስተን ይፈለዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ወይ ዝመጸጸ ዜስክር መስተ ኣይስተ፡ ገለ ኻብ ወይኒ እተጸምቈ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ ድማ ብሰዊቱ ዀነ ወይ ብንቚጹ ኣይብላዕ

4. ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ፍሬኡ ዀነ ገፈሉ ዀነ፡ ገለ ኻብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ

5. ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣቅዱስ ይኹንጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ

6. በተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን ኲለን መዓልትታት ናብ ምዉት ሰብ ኣይእቶ

7. ናዝራዊነቱ ንኣምላኽ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ በቦኡን በዲኡን ብሓዉን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ

8. ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።

9. ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ እሞ ርእሲ ናዝራዊነቱ እንተረኸሰ፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺብሳብዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ።

10. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ናኣሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን የምጽእ

11. እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። ካብቲ በቲ ምዉት ዝገበሮ ሓጢኣት የተዐርቆ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ

12. መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንእግዚኣብሄር ይፍለ፡ ንመስዋእቲ በደል ድማ ገንሸል ዓመት የምጽእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ከንቱ ዀና።

13. ሕጊ ናዝራዊ ኸኣ እዚ እዩ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ምስ መልአ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ

14-15. መስዋእቱ ድማ ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጐደሎ ዜብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጐደሎ ዜብሉ ድዑልሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔዘይበዅዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዅዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።

16. እቲ ኻህን ከኣ ናብ ቅድሚ እግዚብሄር የቕርቦንመስዋእቲ ሓጢኣቱን ንዚሐርር መስዋእቱን ይሰውኣዮ።

17. ነቲ ድዑል ድማ ምስቲ ዘይበዅዔ መሶብ እንጌራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኣዮእቲ ኻህን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ከኣ ይሰውእ

18. እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ርእሲ ናዝራዊነቱ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮነቲ ጸጕሪ ርእሲ ናዝራዊነቱ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ የእትዎ

19. ነቲ ናዝራዊነቱ ምስ ላጸየ ድማ፡ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ድዑል ይውሰድካብቲ መሶብ ከኣ ሓደ ዘይበዅዔ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዔ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብር

20. እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምውዝዋዝ ይወዝውዞ። እዚ ምስቲ ዚውዝወዝ ሓኸለን ዚለዐል እግርን ነቲ ኻህን ይቀደስድሕርዚ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ይስተ

21. ብጀካ እቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሕጊ እቲ እተመባጽዔ ናዝራውን ናይ ናዝራዊነት መስዋእቱ ንእግዚኣብሄርን እዚ እዩ። ከምቲ ሕጊ ናዝራዊነቱከምቲ እተመባጽዖ መብጾዓ ኸምኡ ይግበር

22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

23. ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም

24. እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን።

25. እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ።

26. እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካሰላም ድማ ይሀብካ።

27. ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።