1. ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም

2. ንኣሮን ከኣ በሎጐደሎ ዜብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም

3. ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ሓደ ጣዕዋን ሓደ ገንሸልንዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዜብሎምውሰዱ

4. ሎሚ እግዚኣብሄር ኪረአየኩም እዩ እሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ

5. እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኡኲሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በለ።

6. ሙሴ ኸኣእቲ እግዚብሄር ክትገብርዎ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኪረአየኩም እዩ፡ በለ

7. ሙሴ ድማ ንኣሮንናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዚሓርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከኣ ኣተዐርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእኣተዐርቆምውንበሎ

8. ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሐረዶ

9. ደቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዐዎ

10. ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኰለሊትን ቋንጡጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ

11. ስጋኡን ቈርበቱን ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ

12. ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ሐረደደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ

13. ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ

14. ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሐጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ

15. መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረበ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ወሲዱ ሓረዶከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ።

16. ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ

17. ብጀካ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።

18. ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሐረዶደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ

19. ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኰልኰሉን ንናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ቋንጡጥን ኰለሊትን ስብሒ ኸብድን

20. ነቲ ስብሕታት ኣብ ልዕሊ ሓኸሌታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ

21. ኣሮን ከኣ ነተን ሓኸሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዘን

22. ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾምመስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውኤ፡ ወረደ።

23. ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ

24. ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖኲሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአዩእልል በሉብገጾም ከኣ ፍግም በሉ