1. እግዝኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልንእቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞን ዝበሎን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም

3. ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሐረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተሓረደ

4. ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄርንእግዝኣብሄር መስዋእቲ ኬቕርቦናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቚጸረሉደም ኲዕዩ እዩእቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ

5. ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ ዚሕረድ መስዋእቶም ናብ እግዚኣብሄርናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብናብ ካህን የምጽእዎንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ

6. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርሮ

7. ደጊም እቲ ዚሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዚስዕብዎም ኣጋንንቲ ኣይሰውኡእዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።

8. ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖትዚሐርር መስዋእቲ ወይ ዚሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡

9. ንእግዚኣብሄር ኪስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦእቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ፡ በሎም።

10. ድማ ዝዀነ ሰብካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖትደም ዘበለ እንተ በልዔ፡ ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

11. ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም

12. ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕበልኩ

13. ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዚነብሩ ጓኖት ዚብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሀዲኑ እንተ ሐዘነቲ ደም ይኽዐዎሓመድ ድማ ይኽደኖ።

14. ነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ

15. ዝዀነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዔ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓናክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹንሽዑ ይነጽህ

16. ክዳውንቱ እንተ ዘይሐጸበስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሐጽበ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ