1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንኣሮንደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ

3. ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ

4. ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተአከበ

5. ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባእቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩበለ

6. ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡብማይ ሓጸቦም

7. ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉቅናትውን ኣቐነቶቀምሽ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሐዞ

8. ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን ገበረሉ።

9. ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂእቲ ቅዱስ ኣኽሊልገበረሉከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።

10. ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዂሉን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸኣ።

11. ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ኪቕድሶውን ንመሰውእን ንዂሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ

12. ናብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዐወሉ፡ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ

13. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦምቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም

14. ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ

15. ሐረዶ ድማ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዐዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ

16. ንዂሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን ወሰደሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ

17. ነቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ

18. ነቲ ድዑል ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ

19. ሙሴ ድማ ሐሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢኣብ ዙርያኡ ነጸጎ

20. ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቘራረጾሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቘረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ

21. ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሐጸቦሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ዀነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ዀነ

22. ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ እቲ ድዑል ምቕዳስኣቕረበኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ

23. ሙሴ ድማ ሐሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱንኣሮን መስቈር የማነይቲ እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ።

24. ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦምሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቈር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ

25. ነቲ ስብሕን ኰልኰልን ኲሉ እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሔንን የማነይቲ እግርን ወሰደ

26. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዂዔ እንጌራ ዝሐዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ

27. እዚ ዂሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ

28. ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨናመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኰነ።

29. ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ነበረ።

30. ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ነልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ።

31. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎምነዚ ስጋ ኸምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ዄንኩም ብልዕዎ

32. ካብቲ ስጋን እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ

33. ምቕዳስኩም ሾብዓተ መዓልቲ ኪቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልትታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዚመልኣሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ

34. ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እተገብረ ኸምኡ ኸኣ ኪግበርእግዚኣብሄር ኣዘዘ

35. ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩምትእዛዝ እግዚኣብሄር ሐልዉ

36. ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዂሉ ነገር ገበሩ