1. ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዜቕርብ፡ እቲ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዐወሉዕጣንውን ይግበሩሉ።

2. ናብ ካህናትደቂ ኣሮንየምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኲሉ እቲ ዕጣኑን ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

3. እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውኤ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

4. መስዋእቲ ብልዒ ኣብ እቶን ካብ እተሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔዘይበዂዔ ቅጫታትን ዘይቲ እተለኸየዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቅጫታትን ይኹን።

5. መስዋእትኻ ኣብ መቚሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ዘይበዂዔ ይኹን።

6. ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኽዐወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።

7. መስዋእስትኻ ኣብ ቊራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ዀነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር

8. እቲ ኻብዚ ነገርዚ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ

9. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዚኸውን ኣልዒሉኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

10. እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

11. እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ

12. ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር

13. ንዂሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉኣብ ኲሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ

14. ካብ በዂሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኣቕረብካ፡ ካብ በዂሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቈጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእቲ ብልዒ ኣቕርብ

15. ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዐወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።

16. እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኲሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።