1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ።
3. ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።
4. በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ።
5. ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ።
6. ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ።
7. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ።
8. ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...