1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዚከዐዎ፡ በቲ ምኽዓዉ ርኹስ እዩ

3. እቲ ጅግሉ ክሳብ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዐወነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎንሱ ርኽሰቱ እዩ

4. እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ዂሉ መደቀሲ ይረክስኮፍ ዝበሎ ዂሉ ኣቕሓ ድማ ይረክስ

5. ንመደቀሲኡ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ድማ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

6. በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዚብልውንክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

7. ንስጋ እቲ ጀጋል ዝተንከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

8. እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

9. እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ዀረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን

10. ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹንነዚ ዘልዐለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ድማ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

11. እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሐጽበ ዝተንከዮ ዂሉክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

12. እቲ ጀጋል ዝተንከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበርኲሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሐጸብ

13. እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቚጸርክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሐጸብሽዑ ይነጽህ

14. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይውሰድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእነቲ ኻህን ከኣ ይሀቦ

15. እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣትእታ ሓንቲ ድማ ንዝሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየንካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ

16. ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጾ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

17. እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኲሉ ብማይ ይተሐጸብክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን

18. ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽዓው ዘርኢ እንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሐጸቡክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ።

19. ሰበይቲ ድማጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን

20. ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን

21. መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

22. ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

23. ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።

24. ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹንንሱ ዚድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን።

25. ሰበይቲበቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኰነነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልትታትከምቲ ብመዓልትታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ

26. እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ዂሉ መዓልትታት እትድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ዂሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን

27. ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹንክዳውንቱ ድማ ይሕጸብብማይ ከኣ ይተሐጸብክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን

28. ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቚጸርድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን

29. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን

30. እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይግበረንእቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ

31. ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱብርኽስቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም

32-33. ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዚከዐዎንብእኡ ድማ ዝረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሐመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዚከዐዎ ሰብኣይን ሰበይትንብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዚድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ