1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም

2. ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ

3. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቚስሊ ይርኤኣብቲ ቚስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወትእቲ ቚስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየቊስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረአዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር።

4. እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ዐሚቑ እንተ ዘይተርኤጸጒሩውን እንተ ዘይጻዕደወእቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

5. እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርአዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ቚስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎእቲ ቚስሊ ኸኣ አብቲ ቖርበት እንተ ዘይለሐመእቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

6. እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ እንተ ፋሕሸወኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይለሐመንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገርክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ

7. ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራእየእቲ ሽሒር ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመካልኣይ ሳዕ ኣብ ካህን ይርኤ

8. እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመንሱ ለምጺ እዩሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።

9. ንሰብ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ

10. እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ጸጒሪ እንተ ኣጻዕደዎኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እንተሎ

11. ንሱ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይዕጾዎ

12. እቲ ለምጺ ኣብ ቈርበት ገፊሑ እንተ ወጸእቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቚሱልዓይኒ እቲ ኻህን ዚርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንዂሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ

13. ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ቚሱል ከም ዝነጽሄ ይንገርብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ

14. በታ ብርንዶ ዚመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ።

15. እቲ ኻህን ብርንዶ ዚመስል ስጋ ምስ ዚርኢርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩንሱ ለምጺ እዩ

16. ወይ እቲ ብርንዶ ዚመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠናብ ካህን ይምጻእ

17. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወሽዑ እቲ ኻህን እቲ ቚሱል ንጹህ ምዃኑ ይንገርንሱ ንጹህ እዩ

18. ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሐወየ ቚስሊ እንተለዎ፡

19. ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርኤ

20. እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቚስሊ ለምጺ እዩ።

21. እቲ ኻህን እንተ ረአዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

22. ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።

23. እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሐመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቚስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።

24. ወይ እቲ ስጋ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎእሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀነ።

25. ሽዑ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጸጒሪ እቲ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጾ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር።

26. ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረአዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጒሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጐደ እንተ ፋሕሸወ ድማእቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጾዎ

27. ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይርኣዮኣብ ቈርበቱ እንተ ለሐመንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።

28. እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ኸኣኣብ ቈርበትውን እንተ ዘይለሐመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓዊ እዩ እሞእቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር

29. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቚስሊ እንተለዎ፡

30. እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዜብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎም፡ ንሱ ዕንፍሩር እዩ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር

31. እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር እንተ ረአየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸሊም ጸጒሪ ድማ እንተ ዜብሉ፡ ነቲ ቚስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

32. ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቚስሊ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሐመ፡ ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪውን እንተ ዜብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቘርበት ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ

33. ንሱ ይላጸነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮእቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

34. ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይለሐመ፡ ካብቲ ቘርበትውን ዐሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገርክዳውንቱ ድማ ይሕጸብይነጽህ ከኣ

35. ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ

36. እቲ ኻህን ይርአዮ። እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ለሐመእቲ ኻህን ናብ ብጫ ዜብል ጸጒሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለንሱ ርኹስ እዩ

37. እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቘይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጒሪ በቚሉ እንተ ረአየ ግና፡ እቲ ዕንፍሩር ሐውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር

38. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮትጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡

39. እቲ ኻህን ይረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቈርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩንሱ ንጹህ እዩ

40. ሰብ ጸጒሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩንሱ ንጹህ እዩ

41. ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩንሱ ንጹህ እዩ

42. ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቚጽሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጾ ለምጺ እዩ።

43. እቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቊስሊ፡ ከምቲ ናይ ቈርበት ስጋ ለምጺ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ዀይኑ እንተ ተራእየ

44. ለምጻም ሰብ እዩንሱ ርኹስ እዩርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉቊስሉ ኣብ ርእሱ አሎ

45. እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹንርእሱ ኸኣ ይቀላዕጭሕሙ ድማ ይኽደንርኹስርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ

46. ቊስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹንንሱ ርኹስ እዩንበይኑ ይቀመጥምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።

47-48. ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጸጒሪወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝዀነ ኻብ ቈርበት እተገብረ ነገር፡ ቊስሊ ለምጺ እንተለዎ፡

49. እቲ ቚስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበትሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተ በለ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረኤ

50. እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቚጽሊ ይርአዮነቲ ቚሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ

51. በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቚስሊ ይርአዮእቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበትንዝዀነ ዕዮ ኻብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሐመእዚ ቚስልዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ

52. ነቲ ኽዳን ድማወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ናይ ጸጒሪ እንተ ዀነ ወይ ናይ እንጣጢዕወይ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እቲ ቚስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ

53. እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይለሐመ

54. ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኺሐጽብዎ እቲ ኻህን ይአዝዝመሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ።

55. እቲ ቚስሊ ምስ ተሐጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ሕብሩ እንተ ዘይለወጠእቲ ቚስሊ ድማ እንተ ዘይለሓመንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ዀነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዜዕምቚ በላዒ እዩ።

56. እቲ ኻህን ድማ እንተ ረአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ

57. ኣብቲ ኽዳንወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተራእየዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ብሓዊ ኣንድዶ።

58. እቲ እተሐጽቦ ኽዳንወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ቘርበትእቲ ቚስሊ እንተ ኸደሉካልኣይ ሳዕ ይተሐጸብ፡ ይነጽህ ድማ።

59. ብዛዕባ ቚስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበትንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ምንጋርሕጉ እዚ እዩ