1. መስዋእቱ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ዀይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲጐደሎ ዜብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ

2. ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብርኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶነቲ ደሙ ኸኣ ካህናትደቂ ኣሮንኣብ ልዕሊ መሰውኢኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ

3. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዂሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ

4. ድማ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን ነቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ

5. ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ የሕርርዎመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

6. እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዜቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲጐደሎ ዜብሉ የቕርብ

7. ንመስዋእቱ ገንሸል እንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ

8. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ

9-10. ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ዀልኰሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ

11. እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።

12. መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርባ

13. ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ

14-15. ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕንክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኻብ ጥቓ ዂሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድንመስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ

16. እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮእንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኲሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።

17. እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ