1. ናዳብን ኣቢሁንደቂ ኣሮንጸጽንሃሆም ሐዙሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።

2. ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖምኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ

3. ሽዑ ሙሴ ንኣሮንበቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ ክኸብር እየኢሉእግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ፡ በሎኣሮን ድማ ትም በለ

4. ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንንደቂ ኡዚኤልሓው ኣቦ ኣሮንጸዊዑ፥ ቅረቡ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎምበሎም

5. ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞከምቲ ሙሴ ዝበሎምካብ ሰፈር ንወጻኢ ብቐማውሾም ጾርዎም

6-7. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁኣልኣዛርን ኢታማርንዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይኲርየሉርእስኹም ኣይተወይፉክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዘቃጸሎ ንምዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኤል ትብከምእንቲ ኸይትሞቱካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡበሎምከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።

8. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

9-11. ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎምኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።

12. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁኣልኣዛርን ኢታማርንተዛረቦምነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ

13. እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ።

14. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዚውዝወዝ ሐኸለን ዚልዐል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኰይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ

15. ምስናይ እቲ ብሓዊ ዚስዋእ ስብሕታት ከኣ ነቲ ዚልዐል እግርን ዚውዝወዝ ሓኸለን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን።

16. ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሐሪሩ ነበረ። ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮንኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ዀረየሎም

17. በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዐርቕዎም፡ ንእኡ ሂቡኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኩምዎ

18. እንሆደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ ምቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ።

19. ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዚሓርር መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዝበለ ምስ በጽሓኒሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲኣብ ዓይኒ እግዝኣብሄርዶ ባህ መበለ

20. ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ።