1. ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሐዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።
2. ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ።
3. ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፥ በቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ ክኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ፡ በሎ። ኣሮን ድማ ትም በለ።
4. ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን፡ ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፥ ቅረቡ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም፡ በሎም።
5. ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኢ ብቐማውሾም ጾርዎም።
6-7. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፥ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይኲርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዘቃጸሎ ንምዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ፡ በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥
9-11. ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
12. ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ተዛረቦም፥ ነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ።
13. እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ።
14. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዚውዝወዝ ሐኸለን ዚልዐል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኰይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ።
15. ምስናይ እቲ ብሓዊ ዚስዋእ ስብሕታት ከኣ ነቲ ዚልዐል እግርን ዚውዝወዝ ሓኸለን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን።
16. ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሐሪሩ ነበረ። ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ዀረየሎም፥
17. በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዐርቕዎም፡ ንእኡ ሂቡኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኩምዎ፧
18. እንሆ፡ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ ምቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ።
19. ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዚሓርር መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዝበለ ምስ በጽሓኒ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ኣብ ዓይኒ እግዝኣብሄርዶ ባህ መበለ፧
20. ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...