1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄርኣይትግበርዎኢሉ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡

3. እቲ እተቐብኤ ኻህን እንተ ዀይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጐደሎ ዜብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ

4. ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽኣዮኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ

5. እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ

6. እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ

7. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበርኲሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ

8. ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኲሉ ስብሒ፥ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን የልዕል

9. ድማ ክልቲኤን ኲሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሔንን እቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል

10. ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዚለዐል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ

11. ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኲሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን

12. እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታናብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ የምጽኣዮኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ብሓዊ የሕርሮኣብታ ሓመዂስቲ ዚጐሐፋ ይሕረር

13. ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤል እንተ ሰሐተእቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄርኣይትግበርዎኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ

14. እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈለጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ተቕርብናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ

15. እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩእቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ

16. እቲ እተቐብኤ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ

17. እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ

18. ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበርንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ

19. ንዅሉ እቲ ስብሒ ድማ ካብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ።

20. እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዐርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም።

21. ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኢ የውጽኣዮነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕርሮየሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

22. ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹኣይትግበርዎኢሉ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥኤ

23. እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዜብሉ ድቤላ የምጽእ

24. ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።

25. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዐዎ

26. ንዂሉ እቲ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ንስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዚግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዐርቆይሕደገሉ ኸኣ

27. ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄርኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥኤት

28. እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተፈለጦስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ

29. ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቦታ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረዳ

30. እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ በጻብዑ ወሲዱኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበርንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ

31. ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለእቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮእቲ ኻህን ድማ የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

32. ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽኤ ኸኣጐደሎ ዜብላ ኣንስተይቲ የምጽእ

33. ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሐርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ

34. እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበርንዀሉ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዐዎ

35. ከምቲ ኻብ ገንሸል መስዋእቲ ምስጋና ዚፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ እሞ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲኣብ መሰውኢ የሕርሮእቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆይሕደገሉ ኸኣ