1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራእል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን በዓላት እግዚኣብሄር፡ እዚኣተን በዓላተይ እየን፡

3. ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዚጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኲሉ ትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ።

4. እቶም ምዱብ ግዝያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም፡

5. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲኪመሲ ኸሎ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።

6. በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ

7. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ።

8. ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡

10. በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝሀበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዐጽዱ ኸሎኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ።

11. ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ።

12. በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ

13. ነታ ምስኡ ዘሎ መስዋቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨናንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን።

14. ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲእንጌራ ዀነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኰነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኰነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።

15. ካብታ ዚውዝወዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ቈጺርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና

16. ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰንበት ሓምሳ መዓልቲ ቚጸሩ፡ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ።

17. ካብቲ እትነብርዎ፡ እንጌራ መስዋእቲ ምውዝዋዝ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭበኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ህያብ በዂራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ

18. ምስቲ እንጌራ ድማ ጐደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመትሓደ ዝራብዕክልተ ድዑል ኣቕርቡንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ይኹኑ። ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ይኹን።

19. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ

20. እቲ ኻህን ድማ ንኣታቶም ምስቲ እንጌራ በዂራትን ምስ ክልቲኦም ገንሸልን ገይሩ፡ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞንእግዚኣብሄር እተቐደሱንኻህን ይኹኑ።

21. በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ኣውጁቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።

22. ዓጺድ ምድርኹም ክትዐጽዱ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ወሰን ግራትካ ኣይትዕጸድንቐሪም እቲ ዕጹድካውን ኣይትእረዮንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

24. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም።

25. ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዮንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ።

26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

27. ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ንሳ መዓልቲ ዕርቂ እያ። ሽዑ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ሰውኡ

28. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ

29. በታ መዓልቲ እቲኣ ዘይትዋረድ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።

30. በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ዕዮ እትዐዪ ዘበለት ነፍሲ፡ ነታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል ህዝባ ኸጥፍኣ እየ።

31. ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ኣብ ኲሉ እትነብርዎ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ።

32. እዚኣ ፍጹም ሰንበት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸትንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።

33. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

34. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ።

35. ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ

36. ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡብሳምነትይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። ዓብዪ በዓል ማሕበር እዩ፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ

37. ቅዱስ ኣኼባታት እትእውጁለንእቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣተን እየን።

38. እዚ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄርን ብዘይ እቲ ህያባትኩምን ብዘይ ኲሉ መብጽዓኹምን ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር ብፍቓድ እትህብዎ ዂሉ መስዋእትኹምን እዩ።

39. ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲእቶት እታ ምድሪ ምስ ኣታሕሰስኩምሾብዓተ መዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን።

40. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም፡ ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምንዕቦል ርባ ከኣ ውሰዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሐጐሱ

41. ነዚ በዓል እዚ ኣብ ዓመት ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ

42-43. እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፡ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኺፈልጡሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

44. ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም