1. እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፥ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብመስዋእትኹም ካብ ማልካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕን ኣቕርቡ

3. እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተዀነ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ኪኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ

4. ኣብ ርእሲ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።

5. ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶነቲ ደሙ ኸኣ ደቂ ኣሮንእቶም ካህናትየቕርብዎነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ

6. ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ጠቢሑበብኽፍሉ ይቚረጾ

7. ደቂ ኣሮንእቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጐዱኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ

8. እቶም ካህናትደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታትርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይሰርዕዎ

9. ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ እሞ እቲ ኻህን ንዂሉ ንዚሐርር መስዋእቲንመስዋእቲ ሓዊንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ

10. እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣልጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ንዚሐርር መስዋእቲ የቕርቦ

11. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑይሕረዶእቶም ካህናትደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ

12. በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቚረጾእቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ

13. ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦእቲ ኻህን ድማ ንዂሉ የቕርቦኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዚሐርር መስዋእቲመስዋእቲ ሓዊንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

14. እቲ ንእግዚኣብሄር ዚስውእ ዚሐርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ

15. እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቚ

16. ጭንጭራኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓመዂስቲ ይደርብዮ

17. በኽናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ የሕርሮ፡ እዚ ዚሐርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።