1. ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፥ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

2. ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሕረዱላ ቦታ ይሕረድዎደሙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸጎ

3. ብዘሎ ስብሒ ኸኣ፡ ኰልኰሉን ቋንጡጡን፡

4. ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውጽጢ ዘሎ ስብሔንን፡ እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዚፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡

5. እቲ ኻህን ነዚ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ።

6. ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነይብልዓዮ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

7. እቲ መስዋእቲ በደል ከምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ፡ ንኽልቲኡ ሕጊ ሓደ እዩ፡ ናይቲ ብእኡ ዜተዐርቕ ካህን ይኹን።

8. እቲ ኻህን ናይ ማንም ዚሐርር መስዋእቲ ዜቕርቦቈርበት እቲ ዘቕርቦ ዚሐርር መስዋእቲ ነቲ ኻህን ይኹን።

9. ኲሉ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ኣብ እቶን ዝበሰለ፡ ኲሉ ኣብ ቊራዕን ኣብ መቕሎን እተገብረ፡ ነቲ ዜቕርቦ ኻህን ይኹን

10. ኲሉ ዘይቲ እተሐወሶ ወይ ንቑጽ መስዋእቲ ብልዒ ንዂሎም ደቂ ኣሮን፡ ነቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ይኹን።

11. እቲ ንእግዚኣብሄር ዚቕረብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ሕጉ እዚ እዩ፥

12. ንምስጋና እንተ ኣቕረቦ፡ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘይቲ እተሐወሶ ዘይበዂዔ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዂዔ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ድኹም ሓርጭ እተቘምጥዔ ዘይቲ እተሐወሶ ቕጫታትን የቕርብ

13. እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ምስ ዝበዂዔ እንጌራ የቕርቦ።

14. ካብ ኲሉ እዚ መስዋእትታት ሓደ ግደ ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቲ የቕርበሉ። እዚ ነቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዚነጽግ ካህን ይኹን

15. ስጋ እቲ ንምስጋና ዜቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ በታ እተሰውኣላ መዓልቲ ይበላዕ፡ ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ብጊሓት ኣየትርፍ

16. እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ናይ መብጽዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ዀነ ኸኣ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፡ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንጽብሒቱ ይበላዕ

17. ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና፡ ብሓዊ ይንደድ

18. ካብቲ ስጋ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዔ፡ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኰነን፡ ነቲ ዘቕረቦውን ከም ቊርባን ኣይቚጸረሉን፡ ፍንፉን ይኸውን። እታ ኻብኡ እትበልዕ ነፍሲ ኸኣ በደላ ትጸውር

19. ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕብሓዊ ደኣ ይንደድብዛዕባ ስጋ ግናንጹህ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ

20. እታ ረኺሳ ኸላ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና እትበልዕ ነፍሲ ድማ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ

21. ነፍሲ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየት፡ ርኽሰት ሰብ ወይ ርኹስ እንስሳ ወይ ዝዀነ ጽዩፍ ርኽሰትካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ እንተ በልዔት፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።

22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

23. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምገለ ስብሒናይ ብዕራይ ኰነ ወይ ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤልኣይትብልዑ

24. ስብሒ ዝሐለቐትን ናይ ኣራዊት ዝቐተላን ንዝዀነ ውራይኩም ግበርዎምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ

25. ካብ ስብሒ እቲ እንስሳ፡ ካብኡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎዝበልዔ ዘበለእታ ዝበልዔት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ

26. ኣብ እትነብርዎ ዂሉ ኸኣ፡ ናይ ዑፍ ኰነ ናይ ማልደም ዘበለ ኣይትብልዑ

27. ዝዀነ ደም ዝበልዔት ዘበለት ነፍሲእታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ

28. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

29. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምእቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብ፡ ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣልዒሉ ህያቡ ናብ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ

30. ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ በእዳዉ የምጽኣዮ። እቲ ሓኸለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምውዝዋዝ ኪውዝወዝሲስብሑን ሓከሊኡን የምጽኣዮ

31. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሕርሮእቲ ሓኸለ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን።

32. ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም ንዚልዐል መስዋእቲ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ሀብዎ

33. ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደም መስዋእቲ ምስጋናን ስብሕን ዜቕርብየማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን።

34. ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ሓኸለ ምውዝዋዝን ዚልዐል እግርን ወሲደዮ እየ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንስርዓት ዘለኣለም ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሂበዮም አሎኹ።

35-36. በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ኪዀኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህብዎም እግዚኣብሄር ዝአዘዞምምግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለዶኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ።

37-38. በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ኬቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲእግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ።