1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዐመጾ

3. ወይ ገለ ጥፉእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝዀነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ

4. ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኰነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮወይ እቲ ዓመጽ ዝዓመጾ፡ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ

5. ወይ ብዝዀነ ነገር ሐስዩ ዝመሐለሉ ይምለሶ፡ ብምሉኡ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዜቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ

6. ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕከም ገምጋምካጐደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄርናብ ካህን የምጽእ

7. እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆካብ ዝዀነ ዝገበሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝዀነኪሕደገሉ እዩ።

8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

9. ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞምሕጊ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዚነድድ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዚወግሕ ይነበር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ

10. እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓመዂስቲ ናይቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖሓፊሱኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ

11. ደሓር ክዳውንቱ የውጽእካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደንነቲ ሓመዂስቲ ኸኣ ካብቲ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዮ

12. እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የሕርር።

13. እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድኣይጥፋእ

14. ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፥ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ

15. ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕልካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ዂሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ

16. እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎከይበዂዔ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም ይብልዕዎ

17. ብማይ ብሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሀብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደል ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

18. ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮእዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ

19. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

20. ኣሮንን ደቁን በታ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፥ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭፈረቓኡ ብጊሓትፈረቓኡ ኸኣ ምሸት

21. ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቘምጥዔ ኸኣ ኣምጽኣዮንእግዚኣብሄርንጥዑም ጨና ብሱል ቈረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ

22. እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዚቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይሕረር

23. ኲሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒብምሉኡ ይሕረርኣይበላዕ

24. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

25. ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፥ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሐርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሐረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

26. እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዜቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ

27. ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝተንከዮ ይቀደስካብቲ ደም ኣብ ገለ ኽዳን እንተ ነጠረነቲ ዝነጠሮ ዘበለ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕጸቦ

28. እቲ ዝበሰለሉ ቚራዕ ድማ ይሰበርኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸኣ፡ ይፈጒፈጕ ብማይውን ይተሐጸብ።

29. ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

30. መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዚኣቱብሓዊ ይንደድ እምበር፡ ኣይበላዕ።