1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹንናብ ካህን የምጽእዎ

3. እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእእቲ ኻህን ድማ ይርአዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሐወየ

4. ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዚነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተንዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ኪወስዱ ይአዝዝ

5. እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ኪሐርዱ ይአዝዝ

6. ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሐርደት ዑፍ ይጥለቆ

7. ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዚነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምዃኑ ይንገርነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ

8. እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብኲሉ ጸጒሩ ኸኣ ይላጺብማይውን ይተሐጸብይነጽህ ከኣድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ

9. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዂሉ ጸጒሩ ይላጺርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኲሉ ጸጒሩን ይላጺክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሐጸብይነጽህ ከኣ

10. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ገንሸልን ጐደሎ ዜብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንንንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ

11. እቲ ዜንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቚሞ

12. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንጸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል ይቕርቦኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ

13. እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝዀነ፡ እቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንጸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሐርር መስዋእትን ዚሕረዱሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሐረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

14. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድእቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ

15. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይኽዐዎ

16. እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ

17. ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ

18. ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮእቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ

19. እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዐርቆድሕሪኡ ድማ ዚሐርር መስዋእቲ ይሕረድ

20. እቲ ኻህን ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብእቲ ኻህን ከኣ የተዐርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ።

21. ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ ንኽንድዚ ዚኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዜብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኺውዝውዞ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡

22. ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኽቦእታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣትእታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይውሰድ።

23. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህንናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ

24. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ እሞ እቲ ኻህን ንዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ።

25. ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶእቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱነቲ ዚነጽህ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ

26. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይዂዖ

27. እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ

28. ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ዚነጽህ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ

29. ነቲ ኻብቲ ዘይቲ ዝተረፈኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኬተዐርቖኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ

30. ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ

31. ምስቲ መስዋእቲ ብልዒከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣትሓንቲ ኸኣ ንዚሐርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቆ

32. ብዛዕባ እቲ ቚስሊ ለምጺ ዘለዎ ንምንጻህ ዜድሊ ኣብ ኢዱ ዚኣክል ዘይረኽበሕጉ እዚ እዩ

33. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ክምዚ ኢሉ ተዛረቦም

34. ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸነኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እተረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቊስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ

35. ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡኣብ ቤተይ ከም ቊስሊ ለምጺ ዝበለ ተራእዩኒኢሉ ይንገሮ

36. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቚስሊ ኺርኢገና ናብታ ቤት ከይአተወኣብ ቤት ዘሎ ዂሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ኪገብርዋ ይኣዝዝድሕሪዚ እቲ ካህን ነታ ቤት ኪርኢ ይእቶ

37. ነቲ ቚስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ከኣ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጐደጒድ ካብቲ መንደቕ ዐሚቑ እንተ ተራእየ

38. ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእነታ ቤት ከኣ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ

39. እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርአያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ለሐመ

40. ሽዑ ነቲ ቚስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማናብ ርኹስ ቦታ ኺድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይአዝዝ

41. እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ዙርያኣ ትተሐኸኽእቲ ሕካኽ መሬት ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማናብ ርኹስ ቦታ ይጐሐፍ

42. ኣብ ክንዲ እቲ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ይለቕልቃ

43. ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽኤእታ ቤት ድማ ምስ ተሐከትን ምስ ተለቕለቐትንእቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ እንተ ወጸ

44. እቲ ኻህን አትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሐመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዚባላዕ ለምጺ እዩ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ እያ

45. ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኲሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱናብ ወጻኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጒሐፎ።

46. ነታ ቤት በተን እትዕጸወለን ኲለን መዓልትታት ዝአተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን

47. ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብኣብታ ቤት ዝበልዔውን ክዳውንቱ ይሕጸብ

48. እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪርኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቚስሊ ኣብታ ቤት እንተ ዘይለሐመ፡ እቲ ቚስሊ ሐውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር

49. ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ

50. ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ

51. ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱኣብ ደም እታ እተሐርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ

52. ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቄድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ

53. ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋነታ ቤት ከኣ የተዐርቃ እሞ ትነጽህ

54. ንዂሉ ዓይነት ቊስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን

55. ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን

56. ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።

57. ዚረኽሰላ መዓልትን ዚነጽሃላ መዓልትን ኬፍልጥሕጊ ለምጺ እዚ እዩ።