1. ሰብቃል ማሕላ ሰሚዑንሱ ብዝረኣዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኰይኑ እንተ ዘይገለጾ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር።

2. ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየገምቢ ርኹስ ኣራዊት እንተ ዀነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ።

3. ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብብዝዀነ ዜርክሶ ርኽሰት እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ እዩ።

4. ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባርዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕልከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሐለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ።

5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።

6. ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉእቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዐርቆ

7. ንበጊዕ ዝኣክል ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣትሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ

8. ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን የቅርብርእሳ ኸይፈለየስካብ ጥቃ ኽሳዳ ይጥወያ

9. ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ

10. ነታ ኻልአይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዚሐርር መስዋእቲ ይግበራእቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዐርቆይሕደገሉ ኸኣ

11. ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቅሚ እንተ ዜብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፉ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዐወሉዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ።

12. ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮእቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ

13. ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን።

14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

15. ሰብ በደል እንተ በደለ፡ ብገለ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጎሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገምገምካሉጎደሎ ዜብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ

16. በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሐስሓምሳይ ኣፍ ከኣ ይወስኸሉንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዐርቆይሕደገሉ ድማ

17. ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄርኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝአዘዞ ዂሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሐጥኤከይፈለጠ እኳ ኽነሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር

18. ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዜብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዐርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።

19. ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ