1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤልወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖትካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብሞት ይሙትህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ

3. መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስርካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ

4. እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎእቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ

5. ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቊሶም እየ

6. ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ

7. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ።

8. ሕጋጋተይ ሓልዉግበርዎዉንዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

9. ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመሞት ይሙትነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።

10. ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወእቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ

11. ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብሕፍረት ኣቦኡ ቐልዔክልቲኦም ሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

12. ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብክልቲኦም ሞት ይሙቱነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

13. ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮምሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

14. ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ

15. ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ

16. ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኽቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቐረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

17. ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ፡ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።

18. ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰሕፍረታውን እንተ ቐልዔፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቄሱ እዮም።

19. ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቅላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ኪጾሩ እዮም።

20. ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰሕፍረት ሓው ኣቦኡ ቐልዔሓጢኣቶም ይጹሩሓድጊ ዜብሎም ይሙቱ

21. ሰብ ከኣ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓዉ ቐልዔሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ።

22. እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኲሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሐልዉን ግበሩን

23. ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፡ እዚ ዂሉ ገይሮም እዮም እሞ፡ ፈንፈንክዎም።

24. በልኩኹም ድማ፥ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

25. እምብኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንጹሃትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈሌኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብልን፡ ንነፍሳትኩም ኣይተርክሱ።

26. ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ።

27. ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙትብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።