1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሰበይቲ እንተ ጠነሰትወዲ ኸኣ እንተ ወለደትሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ

3. ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር

4. በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥመዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዚመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ።

5. ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ

6. ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአገንሸል ዓመት ንዚሐርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ

7. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦየተዐርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ።

8. ገንሸል ዚአክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዐርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።