1. ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንንኣርባዕተ እዮም።

2. ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታትበብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑቊጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ።

3. ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያንሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ።

4. ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም።

5. ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ።

6. ደቂ ብንያምቤላዕን በከርን የዲዓኤልንሰለስተ እዮም።

7. ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪንሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታትሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ።

8. ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም።

9. ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።

10. ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃንደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን

11. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታትሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዚወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።

12. ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒርሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም።

13. ደቂ ንፍታሌምያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ

14. ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ- እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት

15. ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ። - ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎፍሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ።

16. ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደትስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉስም ሓው ድማ ሸረሽደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም።

17. ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም።

18. ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት

19. ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።

20. ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡

21. ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ኪዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም

22. ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነኣሕዋቱ ድማ ኬጸናንዕዎ መጹ

23. ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ

24. ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት

25. ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡

26. ላዕዳን ወዱዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡

27. ኔዊ ወዱእያሱ ወዱ።

28. ዝሐዝወንን እተቐመጥወንን ቤት-ኤልን ከተማታትንብምብራቕ ከኣ ናዓራንብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን።

29. ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤት-ሸኣንን ከተማታታንታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ

30. ደቂ ኣሴርዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን

31. ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ።

32. ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ

33. ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም።

34. ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን

35. ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን

36. ደቂ ጾፋሕሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን

37. በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን

38. ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን

39. ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን

40. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴርዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶምሕሩያትሓያላት ጀጋኑሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቊጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ኪዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም።