1. ዳዊት ድማ ኣብታ ኸተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሰርሔ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ዚኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸኣ ንእኡ ድንኳን ተኸለሉ

2. ሽዑ ዳዊትንታቦት ኣምላኽ ኪጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኼገልግሉእግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሐርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ሰብ ንታቦት ኣምላኽ ኣይጽሮ፡ በለ

3. ዳዊት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኼደይቦ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦ

4. ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም

5. ካብ ደቂ ቀሃትኡሪኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱንሚእትን ዕስራን

6. ካብ ደቂ መራሪዓሳያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱንክልተ ሚእትን ዕስራን

7. ካብ ደቂ ጌርሾምዮኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱንሚእትን ሰላሳን

8. ካብ ደቂ ኤሊጻፋንሸማዕያ እቲ ሐለቓን ኣሕዋቱንክልተ ሚእቲ

9. ካብ ደቂ ሔብሮንኤሊኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱንሰማንያ

10. ካብ ደቂ ዑዚኤልኣሚናዳብ እቲ ሓላቓን ኣሕዋቱንሚእትን ዓሰርተው ክልተን

11. ዳዊት ድማ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ እቶም ካህናት፡ ነቶም ሌዋውያንንኡሪኤልን ዓሳያን ዮኤልን ሸማዕያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ጸውዖም

12-13. ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ጊዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮእግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ

14. ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ምእንቲ ኼደይብዎተቐደሱ

15. እቶም ደቂ ሌዋውያን ከኣ፡ ሙሴ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ ገይሩ ኸም ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመሰላታት ኣብ መናኩቦም ጾርዎ

16. ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሐጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ኬቚምዎም ተዛረቦም

17. ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንሄማን ወዲ ዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣሳፍ ወዲ በረክያን ካብ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪውን ኤታን ወዲ ቁሻያ ኣቘሙ

18. ምሳታቶም ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶምዘካርያስን ቤንን ያዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን በናያን ማዓያን ማዓሳያን ማቲቱያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልንሓለውቲ ኣፍ ደገ።

19. እቶም መዘምረንሄማንን ኣሳፍን ኤታንን፡ ድማ ብጸናጽል ኣስራዚ የቓንዩ ነበሩ።

20. ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን ማዓሰያን በናያን ከኣ ብመሰንቆ ንዓለሞት

21. ማቲትያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ብበገና ንሸሚኒት ኪመርሑ

22. ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ኣብ መዝሙር መራሒ እዩ። ንሱ በዚ ፈላጥ ነበረ እሞ፡ መዝሙር የስተምህር ነበረ።

23. በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።

24. ድማ ሸባንያን ዮሳፋጥን ንታንኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤሊዔዘርን፡ እቶም ካህናት፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድ-ኤዶምን የሒያን ከኣ ሐለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ።

25. ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ኬደይብዎ ኸዱ

26. ኰነ ድማ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያንኣምላኽ ምስ ሐገዞምሾብዓተ ኣርሓን ሾብዓተ ድዑልን ሰውኡ

27. ዳዊት ድማ ባርኖስ ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ተኸዲኑ ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ታቦት ዚጾሩ ዂሎም ሌዋውያንን እቶም ዘመርትንቀናንያ እቲ መራሕ መዝሙር ከኣ ምስቶም ዘመርቲንዳዊት ድማ ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ።

28. ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመጸንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ

29. ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ