1. ዳዊት ከኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዚ ትኹን፡ ንእስራኤል መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ኣብዚ ይኹን፡ በለ

2. ዳዊት ድማ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዚነብሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘቤት ኣምላኽ ኪስራሕ ከኣ ኣእማን ዚወቕሩ ወቐርቲ ሰርዔ

3. ዳዊት ድማ ንመዓጹ ኣፍ ደጌታትን ንመተሓሐዝን ዚኸውን ሽንካር ብዙሕ ሓጺንን ሚዛን ዜብሉ ብዙሕ ኣስራዝን ኣከበ

4. ሲዶናውያን ጤሮሳውያንን ብዙሕ ኣእዋም ቄድሮስ ንዳዊት የምጽኡሉ ነበሩ እሞ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኦም ቄድሮስ ከኣ ኣከበ።

5. ዳዊት ከኣ፡ እዚ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እታ ንእግዚኣብሄር እትስራሓሉ ቤት ግና ኣብ ኲለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን ክተከውንሲ፡ አዝያ ዓባይ ክትከውን ይግባእ፡ ስለዚ ኸዳልወላ ደልየ አሎኹ፡ በለሽዑ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ኣዳለወ

6. ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሐሉ ኣዘዞ

7. ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ ብልበይ ሐሲበ ነበርኩ

8. ግናኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ።

9. እንሆ፡ ንኣኻ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፡ ንሱ ህዱእ ሰብ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየስሙ ሰሎሞን ኪብሀል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።

10. ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሓሉ እዩ፡ ንሱ ወደይ ኪዀነኒኣነ ድማ ኣቦኡ ክዀኖ እየዝፋን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።

11. ሕጂ፡ ኣታ ወደየእግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ የቕንዓልካውን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ድማ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስራሕ

12. ሓንትስ ኰታ፡ እግዚኣብሄ ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሀብካንሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ክትሕልዎስ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል የግዝእካ

13. ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዛዕባ እስራኤል ዝኣዘዞ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ እንተ ተጠንቀቕካስኪቐንዓካ እዩጽናዕን ትባዕንኣይትፍራህን ኣይትሸበርን

14. እንሆ ኸኣ፡ ብጭንቀተይ ንቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳለኹኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ሚዛን ዜብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ።

15. ብዙሓት ዓየይቲ ኸኣ ምሳኻ ኣለው፡ ቀረጽትን ወቐርትን ጸረብትን ኲሉ ዓይነት ዕዮ ዚፈልጡ ዂሎምን።

16. ናይ ወርቂናይ ብሩር፡ ናይ ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ቊጽሪ የብሉንተንስእ እሞ ስራሕእግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።

17. ዳዊት ከኣ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኣዘዞም፡ ከምዚ በሎም፡

18. እቶም ኣብ ሃገር ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ኢደይ ሂቡኒእዛ ሃገር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ተገዚኣ እያ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም ኣየሎን፡ ብዂሉ ወገንከ ዕረፍቲ ሂቡኩምዶ ኣይኰነን፧

19. ሕጅስ ልብኹምን ነፍስኹምን ንምድላው እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስ ኣቓሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ኪኣቱስተንስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ