1. ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎትብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮምቊጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዚዐዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡

2. ካብ ደቂ ኣሳፍዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዚንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዚዀኑ።

3. ካብ የዱቱንደቂ የዳቱንግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያንሹድሽተብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዚዀኑ።

4. ካብ ሄማንደቂ ሄማን፡ ቡቂያማታንያዑዚኤልሼቡኤልየሪሞትሓናንያ፡ ሓናኒ፡ ኤሊኣታጊዳልቲሮማምቲ-ዔዘርዩሽብቃሽማሎቲሆቲርማሓዚኦት

5. እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ኬብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሀቦ

6. እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ።

7. ቊጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ።

8. ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ

9. እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሔት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።

10. እታ ሳልሰይቲ ንዛኩርደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

11. እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

12. እታ ሓምሰይቲ ንነታንያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

13. እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

14. እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

15. እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

16. እታ ታስዐይቲ ንማታንያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

17. እታ ዓስረይቲ ንሺምዒደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

18. እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤልደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

19. እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

20. እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤልደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

21. እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

22. እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞትደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

23. እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

24. እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

25. እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

26. እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

27. እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

28. እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲርደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

29. እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

30. እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣትደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ

31. እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲ-ዔዘርደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ