1. ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ አሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት አሎ፡ በሎ

2. ናታን ከኣ ንዳዊትኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበርበሎ

3. ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡

4. ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ።

5. ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳንካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን

6. ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይኢለዶ ተዛረብኩ

7. ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ

8. ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎምከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡

9-10. ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካእነግረካ አሎኹ።

11. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየመንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ።

12. ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።

13. ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኢ እዩምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋካብኡ ኣይክመልሳን እየ።

14. ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።

15. ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ

16. ሽዑ ንጉስ ዳዊት አትዩኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስኣነ መን እየቤተይከ እንታይ እያ

17. ኣምላኽእዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ አሎኻዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ

18. ንባርያኻስ ትፈልጦ አሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩ

19. ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ

20. ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦንብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን።

21. ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ አሎ እዩ፧

22. ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣምላኹ ዀንካሉ

23. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር

24. ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበንእታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ አላ።

25. ዎ ኣምላኸይንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ

26. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ

27. ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄርዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ።