1. ድሕሪዚ ድማ ዀነናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ነገሰ

2. ዳዊት ድማ፡ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ምሕረት ክገብረሉበለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን ኣተው።

3. እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንሓኑንዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ አሎ፧ እዞም ገላውኡ ነዛ ሃገር ምእንቲ ኺምርምርዋን ኬጥፍእዋን ኪስልይዋን ደይዀኑን ናባኻ ዝመጹበልዎ

4. ሽዑ ሓኑን ንገላው ዳዊት ወሲዱ ላጸዮምፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም

5. ነቶም ሰባት ዝዀኖም ነገር ከኣ ገለ ሰባት ከይዶም ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ እቶም ሰባት ብዙሕ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ዚቕበልዎም ሰደደሎምንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩም ተመለሱበሎም

6. ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ብሰሪ ርእሶም ከም እተጸልኡምስ ረኣዩሓኑንን ደቂ ዓሞንን ካብ ኣራም-ናሃራዪምን ካብ ኣራም-ማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩስሽሕ ታለንት ብሩር ሰደዱ

7. ሽዑ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ንንጉስ መዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ፡ እዚኣቶም መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ ሰፈሩደቂ ዓሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ኪዋግኡ መጹ

8. ዳዊት ከኣ ምስ ሰምዖንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ጀጋኑን ሰደደ

9. ደቂ ዓሞን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመጹ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።

10. ዮኣብ ከኣ እቲ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝዀኖ ምስ ረአየ፡ ካብ ኲሎም እቶም ሕሩያት ኣብ እስራኤል ሐርዩኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።

11. እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሻይ ሓው ገበሮንደቂ ዓሞን ኪቃባበሉ ኸኣ ተሰለፉ

12. በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሐየሉ ኸኣ፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ።

13. ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር

14. ሽዑ ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ናብ ቅድሚኦም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ

15. እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሓው ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተው። ሽዑ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

16. ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩልኡኻት ሰደዱ እሞ፡ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽእዎምሾፋኽ ናይ ሃዳርዔዘር ሓለቓ ሰራዊት ከኣ መርሖም

17. እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽቲቱዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተሰለፈዳዊት ነቶም ሶርያውያን ንውግእ ኪቃባበሎም ምስ ተሰለፈ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ

18. እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሰባት ናይ ሾብዓተ ሽሕ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ እግረኛ ሰብን ቀተለንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ

19. እቶም ገላው ሃዳርዔዘር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ ዳዊት ተዐርቁ እሞ ተገዝእዎ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕሪ ደጊም ንደቂ ዓሞን ኪረድእዎም ኣይፈተውን