1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ስዒሩ ኣጥቅዖምንጋትን ዓድታታን ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን

2. ንሞኣብውን ሰዐሮ እሞ፡ ሞኣባውያን ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ

3. ዳዊት ድማ ንስልጣኑ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኬጽንዖ ምስ ከደንሃዳአዔዘር ንጉስ ጾባ ኣብ ሓማት ሰዐሮ

4. ዳዊት ከኣ ካብኡ ሽሕ ሰረገላን ሾብዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋራይ ሰብን ወሰደ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም፡ ካብኦም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።

5. እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ

6. ዳዊት ድማ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ እቶም ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉእግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።

7. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላው ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ

8. ዳዊት ከኣ ካብ ጢብሓትን ካብ ኩንንከተማታት ሃዳርዔዘርኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደብእኡ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ኣስራዝን ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ

9. ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ ንዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኸም ዝሰዐሮ ምስ ሴምዔ

10. ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን ንሃዳርዔዘር ተዋኣጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖንንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉምስኡ ድማ ኲሉ ዓይነት ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ነበረ።

11. ነዚውን ንጉስ ዳዊት ምስቲ ኻብ ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቅንዘምጽኦ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ

12. ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ቀተለ

13. ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኲሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ገላውኡ ዀኑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።

14. ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ

15. ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ ነበረ።

16. ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ።

17. በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ሓላቑ ነበሩ።