1. ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ

2. ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለዉ ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብኤን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኺእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም

3. ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ

4. እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎ ነበረ እሞ፡ ብዘሎ እቲ ማሕበር፡ ከምኡ ንግበርበለ

5. ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ምእንቲ ኼምጽኦ ኸኣ፡ ካብ ሲሖር ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዂሎም እስራኤል ኣከቦም

6. ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ነቲ ታቦት ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዚቕመጥ እግዚኣብሄር፡ ንሱውን ብስሙ እተሰምየሉ፡ ካብኣ ምእንቲ ኺወስድዎ፡ ናብ ባዓላ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ

7. ነቲ ታቦት ኣማላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም ድማ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰዱዎ። ዑዛን ኣሒዮን ከኣ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።

8. ዳዊትን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብጸናጽልን ብመለኸታትን ይጻወቱ ነበሩ።

9. ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑዑዛ ነቲ ታቦት ኪሕዞ ኢዱ ዘርግሔ

10. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሔ ኸኣ፡ ቀዘፎ እሞ፡ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ

11. ዳዊት ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ እሞ ነቲ ቦታ እቲኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ፡ ጰሬጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ

12. ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሁታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምጽእበለ

13. ስለዚ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዐዞን

14. እቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠእግዚኣብሄር ድማ ንቤት ዖቤድ-ኤዶም ንዂሉ ዘለዎን ባረኾ