1. ብንያም ድማ ንቤላዕ በዂሩ ወለደካልኣይ ኣሽቤልሳልሳይ ከኣ ኣሕራሕ

2. ራብዓይ ኖሓሓምሳይ ድማ ራፋ

3. ቤላዕ ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ኣዳርን ጌራን ኣቢሁድን

4. ኣቢሹዓን ናዓማንን ኣሖኣሕን

5. ጌራን ሸፋፋንን ሑራምን

6. እዚኣቶም ደቂ ኤሑድ እዮም፡ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ጌባዕ እተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ናብ ማናሓት ድማ ማረኽዎም

7. ናዓማንን ኣሕያን ጌራን ከኣ፡ ንሱ ማረኾምንዑዛን ንኣሒሑድን ድማ ወለደ

8. ሸሓራዪም ከኣ ነተን ኣንስቱ ሑሸምን ባዓራን ምስ ፈትሔን፡ ኣብ ሞኣብ ደቂ ወለደ

9. ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን

10. ንየዑጽን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቂዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ።

11. ካብ ሒሺም ከኣ ንኣቢጡብን ንኤልጳዓልን ወለደ

12. ደቂ ኤልጳዓል ድማ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመርን፡ ንሱ ንኦኖን ንሎድ ምስ ከተማታታን ዝሰርሔ እዩ።

13. ብሪዓን ሸማዕን ከኣ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ኣያሎን ዚቕመጡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ጋት ዚቕመጡ ሰጐጒዎም

14. ኣሕዮን ሻሻቅን ያሬሞትን

15. ዘባድያን ዓራድን ዔደርን

16. ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ ብሪዓ እዮም።

17. ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን

18. ዪሽመራይን ዪዝሊያን ዩባብን ከኣ ደቂ ኤልጳዓል እዮም።

19. ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን

20. ኤሊዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን

21. ዓዳያን በራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሽምዒ እዮም።

22. ይሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን

23. ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን

24. ሃናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን

25. ዪፍድያን ጰኑኤልን ከኣ ደቂ ሻሻቅ እዮም።

26. ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን

27. የዓረሸያን ኤሊያን ዚክሪን ድማ ደቂ የሮሓም እዮም።

28. እዚኣቶም ኣብ ወወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ሓላቑ ነበሩ፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።

29. ኣቦ ጊብዖን ከኣ ኣብ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ፡ ስም እታ ሰበይቱ ኸኣ ማዓካ እዩ።

30. በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶንጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን

31. ጌዶርን ኣሕዮን ዜክርን

32. ሚቅሎት ከኣ ንሽምኣ ወለደእዚኣቶምውን ኣብ መንጽር እቶም ኣሕዋቶም፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣሕዋቶም ተቐመጡ

33. ኔር ድማ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ከኣ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ድማ ንዮታንን ንመልኪሹዓን ንኣቢናዳብን ንኤሽባዓልን ወለደ።

34. ወዲ ዮናታን ከኣ መሪብ-ብዓል እዩ፡ መሪብ-ብዓል ድማ ንሚካ ወለደ

35. ደቂ መካ ኸኣ፡ ጲቶንን መሌክን ታኣረዓን ኣሃዝን እዮም።

36. ኣሃዝ ድማ ንየሆዓዳ ወለደ፡ የሆዓዳ ኸኣ ንዓለመትን ንኣዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ።

37. ሞጻ ድማ ንቢንዓ ወለደራፋ ወዱኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ።

38. ኣጼል ከኣ ሹድሽተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ስሞም ድማ እዚ እዩ፡ ዓዝራቃምቦክሩኢስማኤልሼዓርያዖባድያሓናን፡ እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣጼል እዮም።

39. ደቂ ዔሼቅ ሓው ድማ፡ ኡላም በዂሪካልኣይ የዑሽሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ

40. ደቂ ኡላምውን ተባዓት ተዋጋእቲ፡ ምግታር ቀስቲ ዚኽእሉ ሰባት ነበሩ። ብዙሓት ደቅን ደቂደቅን ድማ፡ ሚእትን ሓምሳን፡ ነበርዎም። እዚኣቶም ኲሎም ካብ ብንያም እዮም።