1. ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል ድማ- እቲ በዂሪ ንሱ ነበረ፡ መንጸፍ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡ እታ ብዂርናኡ ንነቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበት፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ወለዶስ ከም በዂሪ ኣይተጻሕፈን።

2. ይሁዳ ደኣ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ሰልጠነ፡ እቲ መስፍን ከኣ ካብኡ መጸ፡ ብዂርና ግና ናይ ዮሴፍ ነበረ። -

3. ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤልሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን

4. ደቂ ዮኤልሸማዕያ ወዱጎግ ወዱ፡ ሺማዒ ወዳ

5. ሚካ ወዱረኣያ ወዱ፡ ባዓል ወዱ፡

6. ብኤራ ወዱ፡ እቲ ቲልጋት-ጲልንኤሰርር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፡ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ።

7. ኣሕዋቱ ድማ በብዓሌታቶም ወለዶታቶም ምስ ተጻሕፈየዒኤል እቲ ሓለቓን ዘካርያስን

8. ድማ ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ፡ ወዲ ሸማዕ፡ ወዲ ዮኤል፡ ንሱ ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ኔቦን በዓል-መዖንን ተቐመጠ

9. መጓሴታቶም ኣብ ሃገር ጊልዓድ በዚሔን ነበራ እሞ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ካብ ርባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዜእቱ ይቕመጥ ነበረ።

10. ብዘመን ሳኦል ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ ኣብ ኢዶም ድማ ወደቑ፡ ኣብ ብዘሎ ምብራቕ ጊልዓድ ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ

11. ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልኮ ተቐመጡ

12. ዮኤል ሓለቓሻፋም ከኣ ካልኣይያዕናያን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን

13. ኣሕዋቶም ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምሚካኤልን መሹላምን ሸባዕን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርንሾብዓተ እዮም።

14. እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይልወዲ ሑሪ፡ ወዲ ያሮዓሕ፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ የሺሻይ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ቡዝ እዮም።

15. ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፡ ወዲ ጉኒዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።

16. ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ባሳንን ኣብ ኣቚሻታን ኣብ ኲሉ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳዕ ወሳሰና ይቕመጡ ነበሩ።

17. ኲላቶም ብዘመን ዮታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፎም።

18. ደቂ ሮቤል ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑዋልታን ሴፍን ዜልዕሉቀስቲ ኸኣ ዚግትሩ ምሁራት ውግእ፡ ኣብ ውግእ ዚወጹ ሰባት ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።

19. ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ

20. ረድኤት ከኣ ረኸቡ፡ ሃግራውያንን እቶም ምሳታቶም ዝነበሩ ዂሎምን ከኣ ኣብ ኣእዳዎም ተዋህቡ። በታ ጊዜ ውግእ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ እሞ፡ ብእኡ ስለ ዝአመኑ ኸኣ ሰምዖም።

21. መጓሴታቶም ድማ ዘመቱሓምሳ ሽሕ ገመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣድግን ሚእቲ ሽሕ ነፍሲ ሰብን ወሰዱ።

22. እቲ ውግእ ካብ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ድሕርዚ ኸኣ እዚኣቶም፡ ክሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ

23. ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ፡ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል-ሔርሞንን ሰኒርን ከረን ሔርሞንን በዝሑ

24. ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ፡ እዚኣቶም እዮም፡ ዔፈርን ይሽዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን የርሚያን ሆዳውያን ያሕዲኤልንሓያላት ጀጋኑ ሰባትስሙያት ሰባት፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።

25. ንኣምላኽ ኣቦታቶም ዐልዮም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር መንዘሩ

26. ኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋት-ጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም