1. ዳዊት ገና ኻብ ገጽ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሐቢኡ ኸሎ፡ እቶም ናብኡ ኣብ ጺቅላግ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውግእ ዝሐገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ።

2. ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዚኽእሉ፡ ብቐስቲውን ፍላጻ ዚውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያማውያን እዮም ዝነበሩ።

3. ኣሒዔዘር እቲ ርእሰን ዮኣስንደቂ ሽማዓ እቲ ጊብዖናዊየዚኤልን ጰለጥን ደቂ ኣዝማዌትብራካን የሁ እቲ ዓናቶታውን

4. ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ ድማ ሓደ ጅግና ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ፡ ሐለቓ እቶም ሰልሳኤርምያስን ያሓዚኤልን ዮሓናንን ዮዛባድ እቲ ገደራታውን

5. ኤልዑዛይን የሪሞትን በዓልያን ሸማርያን ሸፋጥያ እቲ ሓሩፋውን

6. እቶም ቈረሓውያንኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾብዓምን

7. ዮዔላን ዘባድያንደቂ ይሮሓም ካብ ግዶር

8. ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማትብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባትገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡

9. ዔዘር እቲ ርእሲ፡ እቲ ኻልኣይ ዖባድያ፡ እቲ ሳልሳይ ኤሊያብ

10. እቲ ራብዓይ ሚሽማና፡ እቲ ሓምሳይ ኤርምያስ

11. እቲ ሳድሳይ ዓታይ፡ እቲ ሳብዓይ ኤሊኤል

12. እቲ ሳምናይ ዮሓናን፡ እቲ ታስዓይ ኤልዛባድ

13. እቲ ዓስራይ ኤርምያስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓድ ማክባናይ

14. እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ሓላቑ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፡ ሓደ ኻባቶቶም እቲ ንኡስ ክንዲ ሚእቲ፡ እቲ ዓብዪ ኸኣ ክንዲ ሽሕ ያኣክል ነበረ።

15. እቶም በታ መጀመርያ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገምገም ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ ኸላ እተሳገሩ፡ ነቶም ኣብ ለሴታት ዚነብሩ ዂሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጒዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።

16. ካብ ደቂ ብንያም ይሁዳን ከኣ ናብ ዳዊት፡ ናብቲ እምባ መጹ

17. ዳዊት ድማ ኪቕበሎም ወጸ፡ ከምዚ ተዛሪቡ ኸኣ መለሰሎምክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ ዄንኩም ዝመጻእኩምኒልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ዓመጽ ዜልቦ ኽነሱስ፡ ኣብ ጸላእተይ ከተትሕዙኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይቕጽዓዮ

18. ሽዑ ኣማሳይ ኣውራ እቶም ሰላሳ፡ መንፋስ ለበሰ እሞ፡ ኣታ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፡ ኣታ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽ ሐጊዙካ እዩ እሞ፡ ሰላም ንኣኻ፡ ሰላም፡ ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን፡ በለ። ዳዊት ከኣ ተቐበሎምሓላቑ ጭፍራ ድማ ገበሮም

19. ገለ ኻብ ምናሴውን ናብ ዳዊት ሐለፉ፡ እዚ ኸኣ ንሱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑስ፡ ንሳኦል ኪወግእ ወጺኡ ኸሎ እዩ ዝዀነ፡ ግናኸ እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ከየብል፡ ኢሎም ብምኽሪ ሰደድዎ እሞ፡ ኣይሐገዝዎምን

20. ናብ ጺቅላግ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝሐለፉዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ናይ ምናሴ ሓላቑ ሽሕ

21. ንሳቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ሓላቑ ዝዀኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ኣንጻር እቲ ጭፍራ ዘመትቲ ሐገዝዎ

22. ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ እሞ፡ ከም ሰራዊት ኣምላኽ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ዀነ።

23. እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብኡ ምእንቲ ኼምልስዋ፡ ናብ ዳዊት ናብ ሔብሮን ዝመጹንውግእ እተሰለፉ ተዋጋእቲቊጽሮም እዚ እዩ፡

24. ደቂ ይሁዳዋልታን ኲናትን ዝጾሩንውግእ እተሰለፉ ሹድሽተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን

25. ካብ ደቂ ስምኦንንውግእ ሓያላት ጀጋኑ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን

26. ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን

27. የሆይዳ፡ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን

28. ጻዶቅ ድማ ጐበዝሓያል ጀግና፡ ምስኡ ኸኣ ዕስራን ክልተን ሓላቑ ኻብ ቤት ኣቦኡ

29. ካብ ደቂ ቢንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን እዝስ ዚበዝሑ ኻባታቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ጸኒዖም ነበሩ።

30. ካብ ደቂ ኤፈሬም ከኣ ዕስራ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትንሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት ሰባት

31. ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕንዳዊት ኬንግሱ ኺመጹ በብስሞም እተሰምዩ

32. ካብ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኺፈልጡምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፡ ክልተ ሚእቲ ዋናታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ድማ ኲሎም ኣሕዋቶም ምሳታቶም።

33. ካብ ዛብሎን ብዂሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፈ፡ ናብ ሰራዊት ዚወጹፈለጥቲ ስርዓት ውግእልቦም ዘይብቑልሰብ ስርዓትሓምሳ ሽሕ

34. ካብ ንፍታሌም ከኣ ሽሕ ሓላቑ፡ ምሳታቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ።

35. ካብቶም ሰብ ዳን ከኣ ንውግእ እተሰለፉ፡ ዕስራን ሾሞንተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን

36. ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዚወጹኣርብዓ ሽሕ

37. ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ብዂሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፉ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ

38. እዚኣቶም ኲሎም ንውግእ እተዳለው ተዋጋእቲንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኬንግዎብፍጹም ልቢ ናብ ሔብሮን መጹ። ብዘሎ እቲ ዝተረፈ እስራኤል ከኣ ዳዊት ንምንጋስ ሓደ ልቢ ነበረ።

39. ኣሕዋቶም ኣሳናድዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ።

40. ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኰይኑ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፡ ክሳዕ ኣብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምንበእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢእንጌራን ሓርጭን ጐጎ በለስን ጐጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ሰባሕትን ጤል በጊዕን ኣምጽኡሎም