1. ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ

2. ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም

3. እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቚጽሩ፡ እቲ ቚጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ።

4. ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቲ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኪሐልዮሉሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ኪዀኑ፡

5. ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገንዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ።

6. ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም

7. ካብ ጌርሾናውያንላዕዳንን ሺምዒን

8. ደቂ ላዕዳንየሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልንሰለስተ

9. ደቂ ሺምዒሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንንሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም።

10. ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም።

11. ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይየዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ

12. ደቂ ቀሃትዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልንኣርባዕተ

13. ደቂ ዓምሪም ኣሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ኪቕድስ ተፈልየንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ኬዕርጉን ኬገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ኪባርኹን እዮም።

14. ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ

15. ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም።

16. ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ።

17. ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ

18. ደቂ ዪጽሃርሸሎሚት እቲ ዋና

19. ደቂ ሔብሮንየሪያ እቲ ዋናኣማርያ እቲ ኻልኣይያሓዚኤልእቲ ሳልሳይይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ

20. ደቂ ዑዚኤልሚካ እቲ ዋናዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ

21. ደቂ መራሪማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን

22. ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሐደገ ሞተኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን

23. ደቂ ሙሺማሕሊን ዔደርን የሬሞትንሰለስተ

24. እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታትካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም።

25. ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር አሎ።

26. ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዜገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ኪጾሩ ኣየድልዮምን።

27. በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ዘበሉ፡ ተቘጽሩ

28. ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ኬጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ።

29. ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቚሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ኪሐልዩ።

30. ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎን ኪውድስዎንምሸት ከኣ ኸምኡ፡

31. ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቚጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ

32. ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ኪሕልው እዮም።