1. እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖንካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት

2. ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካጓል ታልማይ ንጉስ ገሹርራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት

3. ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣልሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ

4. ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

5. ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንንኣርባዕቲኦም ካብ ባት-ሸዓጓል ዓሚኤል

6. ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን

7. ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን

8. ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥንትሽዓተ

9. እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰንደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።

10. ወዲ ሰሎሞን ከኣ ሮብዓም እዩ፡ ኣብያ ወዱኣሳ ወዱ፡ ዮሳፋጥ ወዱ፡

11. ዮራም ወዱኣሓዝያ ወዱ፡ ዮኣስ ወዱ፡

12. ኣማስያ ወዱኣዛርያ ወዱ፡ ዮታም ወዱ፡

13. ኣሃዝ ወዱህዝቅያስ ወዱ፡ ምናሴ ወዱ፡

14. ኣሞን ወዱዮስያስ ወዱ፡

15. ደቂ ዮስያስ ድማ፡ እቲ በዂሪ ዮሓናንካልኣይ ዮያቂምሳልሳይ ጼዴቅያስራብዓይ ሻሉም

16. ደቂ ዮያቂም ከኣ፡ የኮንያ ወዱጼዴቅያስ ወዱ።

17. ደቂ የኮንያ እቲ እሱር ድማ፡ ወዱ ሰኣልቲኤልን

18. ማልኪራምን ፈዳያን ሸናጸርን የቃምያን ሖሻማዕን ነዳብያን

19. ደቂ ፈዳያ ኸኣ፡ ዘሩባቤልን ሺምዒን። ደቂ ዘሩባቤል ድማ፡ መሸላምን ሓናንያ ሽሎሚት ሓብቶምን

20. ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብ-ሔሰድንሓሙሽተ እዮም።

21. ደቂ ሓናንያ ኸኣ፡ ጶላጥያን የሻዕያን፡ ደቂ ረፋያ፡ ደቂ ኣርናን፡ ደቂ ዖባድያ፡ ደቂ ሽካንያ

22. ደቂ ሽካንያ ድማ፡ ሸማዕያ። ደቂ ሸማዕያውንሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥንሹድሽተ

23. ደቂ ነዓርያ ኸኣ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝራቃምንሰለስተ

24. ደቂ ኤልዮዔናይ ድማ፡ ሆዳይዋን ኤልያሺብን ፈላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒንሾብዓተ