1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልባዓ ወደቑ

2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ደቁን ስዒቦም እግር እግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ኣቢናዳብን ማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም

3. ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከኣ እቲ ውግእ በርትዔወርወርቲ መንትግውን ኣርከብዎ፡ በቶም ወርወርቲ ድም ኣዝዩ ተጨነቐ

4. ሽዑ ሳኦል ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም መጺኦም ከየላግጹለይሲሴፍካ ምሰቶ እሞ ብእኡ ቕተለኒበሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈርሄ እሞ፡ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ

5. እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ፡ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ሞተ።

6. በዚ ኸምዚ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፡ ኲሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።

7. እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ከም ዝሀደሙሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩከተማታቶም ሐዲጎም ሀደሙ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን

8. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹንሳኦልን ንደቁን ከኣ ኣብቲ ኸረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም

9. ሽዑ ገፈፍዎርእሱን ኣጽዋሩን ወሲዶም ከኣ ንጣኦቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኼበስሩ፡ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ

10. ነቲ ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ማንበርዎ፡ ርእሱ ኸኣ ኣብ ዳጎን ሰቐልዎ

11. ብዘለዉ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ምስ ሰምዑ

12. ጀጋኑ ዘበሉ ዂሎም ሰባት ተንስኡ እሞ ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ያቤሽ ኣምጽእዎም፡ ነቲ ኣዕጽምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ድዋ ቐበርዎሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ

13. ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ

14. ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ