1. ደቂ ሌዊጌርሾምን ቀሃትን መራሪን

2. ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን

3. ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን

4. ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ።

5. ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ።

6. ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ።

7. መራዮት ንኣማርያ ወለደኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ።

8. ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ።

9. ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ።

10. ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ።

11. ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ።

12. ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ።

13. ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ።

14. ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ።

15. ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ኪማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ

16. ደቂ ሌዊጌርሾምን ቀሃትን መራሪን

17. ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን

18. ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን

19. ደቂ መራሪመሕሊን ሙሺንዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡

20. ካብ ጌርሾምሊብኒ ወዱያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡

21. ዮኣሕ ወዱዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ።

22. ደቂ ቀሃትኣሚናዳብ ወዱቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡

23. ኤልቃና ወዱኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡

24. ታሓት ወዱኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ።

25. ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን

26. ኤልቃናደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱናሓት ወዱ፡

27. ኤልያብ ወዱይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ።

28. ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒኣብያ ኸኣ።

29. ደቂ መራሪማሕሊሊብኒ ወዱሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡

30. ሺምዓ ወዱሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ።

31. እቲ ታቦት ምስ ዐረፈዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ኪዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም።

32. ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ።

33. እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዚቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያንሄማን ዘማሪወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል

34. ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ

35. ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ

36. ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ

37. ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ

38. ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል

39. ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ

40. ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ

41. ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ

42. ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ

43. ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ

44. ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ

45. ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ

46. ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር

47. ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ

48. እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ

49. ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣማላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዐጥኑ ነበሩ።

50. ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡

51. በቂ ወዱዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡

52. መራዮት ወዱኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡

53. ጻዶቅ ወዱኣሒማዓጽ ወዱ።

54. እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡

55. ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቚሻታን ሀብዎም

56. ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሀብዎ

57. ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሀብዎምሔብሮንሊብና ኸኣ ምስ ኣቚሻታያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቚሻታን

58. ሔለን ምስ ኣቚሻታደቢር ምስ ኣቚሻታ፡

59. ዓሻን ድማ ምስ ኣቚሻታቤት-ሸመሽ ከኣ ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።

60. ካብ ነገድ ብንያምውንጌባዕ ምስ ኣቚሻታን ዓለመት ምስ ኣቚሻታን ዓናቶት ምስ ኣቚሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ።

61. ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሀብዎም።

62. ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሀብዎም።

63. ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሀብዎም።

64. እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቚሻተን ንሌዋውያን ሀብዎም

65. ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሀብዎም

66. ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም።

67. ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሀብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቚሻታገዘር ከኣ ምስ ኣቚሻታ፡

68. ዮቅመዓም ምስ ኣቚሻታን ቤት-ሖሮን ምስ ኣቚሻታን፡

69. ኣያሎን ምስ ኣቚሻታን ጋት-ሪሞን ምስ ኣቚሻታን፡

70. ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃትዓኔር ምስ ኣቚሻታን ቢልዓም ምስ ኣቚሻታን።

71. ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቚሻታን፡ ኣሽታሮት ምስ ሳቑሻታን፡

72. ካብ ነገድ ይሳኮርውንቃዴስ ምስ ኣቚሻታደብራት ምስ ኣቚሻታ፡

73. ራሞት ምስ ኣቚሻታን ዓኔም ምስ ኣቚሻታን፡

74. ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቚሻታን ዓብዶን ምስ ኣቚሻታን፡

75. ሑቆቅ ምስ ኣቚሻታን ሬሖብ ምስ ኣቚሻታን፡

76. ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቚሻታን ሓሞን ምስ ኣቚሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።

77. ነቶም ዝተረፉንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎንሪሞን ምስ ኣቚሻታንታቦር ምስ ኣቚሻታ ሀብዎም።

78. ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቚሻታን ያሕጻ ምስ ኣቚሻታን፡

79. ቀዴሞት ምስ ኣቚሻታን ያሕጺ ምስ ኣቚሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቚሻታን፡

80. ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቚሻታን መሓናይም ምስ ኣቚሻታን፡

81. ሔስቦን ምስ ኣቚሻታን ያዕዜር ምስ ኣቚሻታን ሀብዎም።